ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ራያ ዓዘቦ ንዘጓነፈ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ እኹል ኣይኰነን ይብሉ ነበርቲ


ሓገዝ እኽሊ ንግዳያት ደርቂ ኣብ ራያ-ዓዘቦ
ሓገዝ እኽሊ ንግዳያት ደርቂ ኣብ ራያ-ዓዘቦ

ኣብቲ ወረዳ ጣብያ ሓደ ኣልጋ ዝነብሩን ብሓደጋ ድርቂ ዝተሃሰዩን ሓረስቶት እቲ ደንጉዩ ዝተወሃቦም ሓገዝ እኹል ኣይኰንን ይብሉ። ሓደ ሰብ ንወርሒ 15 ኪሎ ስርናይን ፍርቂ ኪሎ ዘይትን እዮም ዝህቡና እዚ ድማ ኣየምውት ኣየሕውይ እዩ ብምባል ይገልፁዎ።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ክፍሎም ሃይለ ብወገኖም ካብ 161 ሽሕ ቁፅሪ ህዝቢ እቲ ወረዳ እቲ 124 ሽሕ ረድኤት ከምዘድልዩ ብእዋኑ ከምዝተፀነዐ ገሊፆም ኰይኑ ግና እቲ ምሒር ዝኸፈኦ 87 ሽሕ ህዝቢ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኣብ ዘሎ ጊዜ ሓገዝ ከምዝተዋህቦ ገሊጾም።

እቲ ዝተረፈ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ክወሃቦ ተወጢኑ ከምዝነበረን ኰይኑ ግና ኣብ መንጐ ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮን ብመደብ ሴፍትኔት ዝሕቆፍን ንምፍላይ ጊዜ ብምውሳዱ እቲ ሓገዝ ከምዝተደናጐየ ኣሚኖም።

ብተወሳኺ እቲ ዝተለኣኸ ሓገዝ እውን ብቕልጡፍ ናብቲ ወረዳ ከምዘይበፀሐ እውን ገሊፆም። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሓገዝ ኣብ ኢድና ኣትዩ ምዕዳል ጀሚርና ኣለና እውን ኢሎም።

ብኻልእ ገፅ እቲ ሓገዝ እኹል ኣይኰነን ክብል ህዝቢ ንዝሃቦ ርእይቶ ድማ ብወገኖም ብርግጽ እኹል ኣይኰነን ኢሎም ከምዝኣምኑ ሓቢሮም ኰይኑ ግና እቲ መጠን ብደረጃ ሃገር ዝተፈቐደ እምበር ኣብ በይንና ኣይኮነን ኢሎም።

እቲ ኣብ መደብ ሴፍትኔት ዘሎ ፀገም ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራ ክንዲ ዝሃለወ ይሃልዉ ንሓሙሽተ ሰባት ጥራሕ ከምዝወሃብን ካብኡ ዝያዳ ቁፅሪ ዘለዎም ስድራ ከምዘይረኽቡን ዓብዪ ፀገም ምዃኑ ተገሊፁ እዩ፤ እዚ እውን እቲ ወረዳ ካብ ህዝቢ ንዝረኸቦ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝተሓበረ ኣይተ ክፍሎም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG