ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዴታት ራያ ዓዘቦ ዛጊት ብዝረኸበኦ መጠን ሓገዝ ከምዘይተሓጐሳ ይገልፃ


Woman get food aid
Woman get food aid

ወይዘሮ ሓዳስ ሰመረ ኣብ ጣብያ ሓደ ኣልጋ ፋፋን ዘይትን ይዕድላ ኣለዋ። ብመሰረት ዝተወሃበኒ ትእዛዝ ካብ ኣርባዓተ ቁሸት ንዝመፃ ኣደታት መዝጊበ ይህብ ኣለኹ ይብላ።

ኣብቲ ጣብያ ካብ ዝነብር ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ 48 ትሕቲ 5 ዓመት ህፃውንቲ ጥራሕ እዮም ሓገዝ ዝረኽቡ። ሓንቲ ኣደ ምስ ውላዳ ንወርሒ ሽዱሽተን ፈረቓን ታኒካ ፋፋን ሓደ ሊትሮ ዘይትን ትረክብ።

ብተወሳኺ ሞት ኣደታትን ህፃውንትን ንምንካይ ብመደብ ምክልኻል ሓደጋ ን265 ኣዴታት ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ኣርባዓተ ሽምብር ፋፋን ሓንቲ ታኒካ ዘይትን ይረኽባ ኣለዋ ይብላ ወይዘሮ ሓዳስ። ነቲ ሓገዝ ዝተቐበላ ኣዴታት ድማ እታ ዝተወሃበተን ሓገዝ ፈጺማ ከምዘይትኣኽለንን ከምዘየሐጐሰተንን ይገልፃ።

ብፍላይ ፍርቂ ሊትሮ ዘይቲ ንሰለስተ መዓልቲ ጥራሕ ከምተፃንሐን እየን ዝዛረባ።

እንተኮነ ግና ዛጊት ብሰንኪ ጥምየት ዝሞተ ህጻን ዘይምህላዉ ግና ገሊፀን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣዴታት ራያ ዓዘቦ ዛጊት ብዝረኸበኦ መጠን ሓገዝ ከምዘይተሓጐሳ ይገልፃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00

XS
SM
MD
LG