ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኸስተ ደርቂ ዘድልይ ሓገዝ ንምትእኽካብ ናይ 90 መዓልታት ወፍሪ ተጀሚሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኸሰተ ደርቂ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ናይ 90 መዓልታት ወፍሪ ሎሚ ምጅማሩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣፍሊጡ።

እቲ ድርቂ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ቤት ጽሕፈት ን10.2 ሚሊዮን ዜጋታት ዘድሊ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዝኸውን ገንዘብ ከምዘይተረኽበ ኣፍሊጡ’ሎ።ብድርቂ ኣብ ዝተጥቕዑ ከባቢታት ኣብ ቀረባ ዑደት ዝገበሩ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ ካብ 1977 ዓ.ም ዝኸፍአ ስለዝኾነ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልይ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ በልጊ ዝናብ ምጥፍኡን ክስተት ኤል-ኒኞን እዋን ምህርቲ ኢትዮጵያ ተዛቢዑ ይርከብ።ተጸበይቲ ዝናብ ሓረስቶትን እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩን ክጻወሩዎ ዘይኽእሉ ደርቂ ኣጋጢሙዎም’ሎ። ኣስታት 10.2 ሚሊዮን ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ ኮይኖም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ወግዓዊ ዝኾነ ሰነድ ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝሓበሮ ናይዞም ዜጋታት ናይ ሓደ ዓመት ድልየት ንምምላእ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ወይ 25 ቢሊዮን ብር የድሊ።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ ከምዝሓበሮ ግን እዚ ገንዘብ እዚ ብዝተማልአ ስለዘይተረኽበ እዩ ነቲ ክፍተት ተፈጢሩ ስለዚ ነዚ ንምምላእ መሻርኽቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ን90 መዓልታት ዝጸንሕን ንናይ ኢትዮጵያ ድርቂ ምላሽ ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብን ወፍሪ ጀሚሩ’ሎ።

ብመሰረት መብርሂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣተሓሓባባሪ ኣሁና ኡኑቺ ንምንቕስቓስ እቲ ወፍሪ ምስ ክብደትን ስፍሓትን እቲ ደርቂ ዝመጣጠን ሓገዝ ንኽግበር ዝዓለመ እዩ ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝፈጸሙ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዓለምለኸ ረድኤት ልምዓት/USAID/ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሓደጋ ወጻኢ ዳይሬክተር ጀረሚ ኮነንዳይክ እቲ ድርቂ ካብ ናይ 1977 ዓ.ም ዝኸፍአ ምዃኑ ተዛሪቦም።

‘እቲ ድርቂ ዝለዓለ እዩ።ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝበኣሰ እዩ።ትማሊ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘበጻሕናሉ እዋን ብህይወቶም ሪኦሞ ዘይፈልጡ፣ብብዙሕ መልክዑ ካብ 1997 ዓ.ም ዝኸፍአ ምዃኑ ምስ ዝነገሩና ብዙሓት ሰባት ተዘራሪብና ኣለና።እዚ ኮይኑ ግን ዘስዕቦ ሓደጋ ከም ናይ 1977 ዓ.ም ክኸውን ከምዘይብሉ ንርዳእ ኢና።ምኽንያቱ ድማ ቀዳማይ እቲ ድርቂ ይመጽእ ከምዘሎ ንፈልጥ ነይርና።ዩናይትድ ስቴትስ፣መንግስቲ፣ለግስቲ መሻርኽትናን ምላሽ ንምሃብ ክዳለው እዮም ጸኒሖም።’

ስለዝኾነ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መጠን ሓገዝ ብምውሳኽ ናይ ሓደጋ ድጋፍ ምላሽ ዝህብ ጉጅለ ከምዝተልእኸ ገሊጾም።

ሚስተር ጀረሚ ብተወሳኺ ዋላ’ዃ እዚ ድርቂ እዚ ዝኸፍአ ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ እውን ነዚ ንምምካት ቅድሚ 30 ዓመታት ካብ ዝነበረ ኣዚዩ ዝለዓለ ብቕዓት ኣለና ኢሎም ።

ህጹጽ ረድኤት መግቢ ካብ ዘድልዮም 10.2 ሚሊዮን ሰባት ብተወሳኺ ዝኸፍአ ጸገም ቀረብ መግቢ ዘለዎምን ብፕሮግራም ሴፍትኔት ዝሕገዙን ኣስታት 8 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ከምዘለው ገሊጾም።

እቶም ፕሮግራማት ጎኒ ንጎኒ ምክያዶም ኣብ ናይ ረድኤት ስራሕቲ ተጽዕኖ ኣየሕድርን እውን ኢሎም።

እዚ ሎሚ ሎሚ ዝተጀመረ ወፍሪ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን 20 ሰነ 2016 ዓ.ም ዝዛዘም ኮይኑ ክንደይ ገንዘብ ከምዝእክብ ግን ኣይተሓበረን።ክሳብ ሎሚ ካብ መንግስትን ካብ መሻርኽትን 758 ሚሊዮን ዶላር ከምዝተረኸበ ግን ተጠቒሱ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኸስተ ደርቂ ዘድልይ ሓገዝ ንምትእኽካብ ናይ 90 መዓልታት ወፍሪ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00

XS
SM
MD
LG