ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብደርቂ ንዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ካብ 150-200 ሚሊዮን ብር ሓገዝ የድልይ ኢሉ


ፋይል
ፋይል

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ህጻናትን ኣዴታትን ዝኸውን መግቢ ንምቕራብ ካብ 150 ክሳብ 200 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ማሕበር ፕሬዝዳንት ዶ/ር ኣሕመድ ረጃ ከምዝሓበሩዎ ኤል-ኒኞ ዝተባህለ ለውጢ ክሊማ ብዝተፈጠሮ ደርቂ ዘሎ ሽግር ሰፊሕን ዓሚቕን እንተኾነ እውን ቅድሚ ኩሉ ተጠቃዕቲ ንዝኾኑ ንዝተወሰኑ ንምሕጋዝ ኣለሊዩ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም።

‘ሃናጺ መግቢ ክነቕርብ ኣለና ኢልና ዝወሰናዮ ን170 ሽሕ ህጻናት፣ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን እዩ።ኣብ ሓጺር እዋን ብዝተገብረ ምንቅስቓስ ክሳብ ሎሚ ንኣስታት 11 ሽሕ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ሓጊዝና ኣለና።’

ብፍላይ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ኣብ ሱማሊያ፣ኣብ ኦሮሚያ፣ኣምሓራን ትግራይን ከምዝሓገዙ ወሲኾም ሓቢሮም።ንሃናጺ መግቢ ዝኸውን ገንዘብ ካብ 150 ክሳብ 200 ሚሊዮን ብር ከምዝግመትን እዚ ገንዘብ እዚ ካብ ውሽጢ ሃገርን ኣጋር ትካላትን ንምርካብ ዝተተለመ እዩ ኢሎም።

ትኹረት ዝሃብሉ ሃናጺ መግቢ ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን፣ዘጥብዋ ኣዴታት፣ነፍሰጾራትን ምዃኖም ወሲኾም ሓቢሮም።

ብሞባይል ቴሌፎን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓምሳ ብር ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ስርዓት ከምዝተርግሐን ትካላትን ውልቀሰባትን ንጻውዒት ሓገዝ ብምግባር ረድኤት ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝርከቡን ዶ/ር ኣሕመድ ኣረዲኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG