ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሓረስቶት ንምሕጋዝ 13 ሚሊዮን ዶላር የድልይ ይብል ትካል መግቢ ዓለም


ኢትዮጵያ ብከቢድ ድርቂ ኣብ ዝተጠቕዐትሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያዊያን ሓረስቶት ህጹጽ ሓገዝ ስለዘድልዮም ትካል መግቢ ዓለም/ፋኦ/ ናይ 13 ሚሊዮን ዶላር ጻውዒት ሓገዝ ኣቕሪቡ።

ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ክስተት ኤል-ኒኞ ዘድልይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰለስተ ዕጽፊ ዓብዩ’ሎ ይብል ፋኦ።

ብሰንኪ ድርቂ ዘራእቲ ብተኸታታሊ ፈሺሉ፣ሰፊሕ ሞት እንስሳት እውን ኣጋጢሙ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም ውሕስነት መግቢን ሕጽረት ኣመጋግባን ናህሩ ወሲኹ ኣስታት 10.2 ሚሊዮን ሰባት ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ ይብል ፋኦ።

ስለዝኾነ ድማ ኢሉ ፋኦ ብድርቂ ኣዝዮም ንዝተጠቕዑ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ንምሕጋዝ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 13 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ብህጹጽ ከምዘድልዮ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ፋኦ ኣማዱ ኣላሆረይ ዲያሎ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG