ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ጃፓን ከም ኣካል ግብረ-መልሲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂን ንካልኦት ፕሮግራማት ዝውዕል 30 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ኽህብ’ዪ


 ደርቂ ካብ ዘጋጠሞ ከባቢ ራያ ኣዘቦ
ደርቂ ካብ ዘጋጠሞ ከባቢ ራያ ኣዘቦ

መንግስቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂን ንካልኦት ፕሮግራምት ዝውዕል 30 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝህብ ሎሚ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ብሰንኺ ደርቂ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ዘድልይ መጠን ገንዘብ ብህጹጽ እንተዘይተረኺቡ: እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምርሕ ከምዝኽእል ፕሮግራም መግቢ ዓለም የጠንቕቕ።

መንግስቲ ጃፓን ነቲ ሓገዝ ዘፍለጠ ብመንገዲ ኣብ አዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ጃፓን ካዞሂሮ ሱዚኹ ኣቢሉ`ዩ። እቶም ኣምባሳደር እዚ ንኢትዮጵያ ዝተወሰነ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣካል’ቲ ሃገሮም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ትህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ንሶም ብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም።

‘ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ እቲ ዞባ ቅጽበታዊ ዝኾነ ሰብአዊ ሓገዝ የድልዮ’ዩ። ስለዚ ድማ ጃፓን እታ ኣህጉር ኣብ ተካየዶ ምምካት ደርቂ ሓገዛ ተበርኽት። ብጠቅላላ እዚ ገንዘብ ልዕሊ 125 ሚሊዮን ዶላር’ዩ። ካብኡ እቲ 30.1 ሚሊዮን ንኢትዮጵያ ክወሃብ ተወሲኑ`ሎ።’

ዝተረፈ ገንዘብ ነተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ማለት ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ሶማል ዝተመደበ ምኳኑ እቶም ኣምባሳደር ገሊጾም። ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ 30.1 ሚሊዮን እቲ 8.4 ሚሊዮን ብቀጥታ ብደርቂ ንዝተተቖዑ ከምዝውዕል’ውን እቲ ዝተረፈ ድማ ንሓረስቶት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝሕግዝ ፕሮግራምን ዝተሓዝኤ ምኳኑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ሰባት ንሓደ ዓመት ንምምላእ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ከምዘድልይ፡ ሰነድ ሰብአዊ ሓገዝ የመልክት። ካብዚ ኣስታት 700 ሚሊዮን ዶላር ድማ ገና ከምዘይተረኸበ ሕ/ሃ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG