ኣትላንቲክ ኮንስል ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ትካል ፖሊሲ፡ ዝሓለፈ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝምድና ክልቲኤን ንምምሕያሽ ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት ሓደ መድረኽ ዓውደ-ዘተ ኣዳልዩ ኔሩ።
ናይ ኢትዮጵያ ፓርቲ ዲሞክራስን ሓድነትን `መድረኽ ` ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሕብረት ኤውሮጳ ተዓዲሙ ንዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ፓርቲ ናብ ኤውሮጳ ዝተጓዕዘ ዶ/ር መረራ ጉዲና፡ ክእሰር ምኽኑይ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ኢህወደግን ተቓወምትን ዝተገብረ ስምምዕ ዶ/ር መረራ ብህጹጽ ክፍትሑ ከምዝግባእ`ውን ኣዘኻኺሩ`ሎ።
ኣብ ኤርትራ- ዞባ ደቡብ- ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ኣብ `ተኸላቢ` ትብሃል ዓዲ ዝማሃሩ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ፡ ኣብ ከባቢኦም ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ብዘይምህላዉ ሻቕሎት ከምዝሓድሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ልዕሊ 10 መጻሕፍቲ ዝደረሱ ኣቶ መለስ ወልደስላሰ ኣብ መበል 74 ዕድሚኦም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኣስመራ ዓሪፎም ።
ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ዓለምለከ ቤት ፍርዲ ገበን ብተኸታታሊ ሓዲገንኦ ብዝኸዳ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ድማ፡ ካልእ ፈላሚት ኣባል ዝነበረት ሩስያ፡ ወጺኣ`ላ፡ ፍሊፕኒስ`ውን ክትስዕብ ትኽእል`ያ ይብሃል ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝርከብ ወጥሪ ከምዘስግኣ ዝገለጹ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦም ናይ ለውጢ ሓሳባት ክትግብር ሃገሮም ከምተተባብዕ ገሊጾም።
ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ደገ ገጾም ንኸይጥምቱ ኣብ ዓዶም ዘሎ ዕድላት ከመይ ይመስል? ማዕረ ክንደይ`ከ ዘተባብዕ`ዩ?
ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተአኻኸቡ ማህበረሰባት ኢትዮጵያ፡ ሲቪል ማህበራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ሎሚ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቲ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝጸንሐ ኣብ ገለ ከባቢ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ጎንጽን፡ ከም ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዝበሉ`ውን ጉድኣት ኣውሪዱ`ዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን 10 መስከረም 2016፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምክልኻል ነብሰ-ቕትለት ተዘኪሩ ኔሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወሃቢ ቓል-ሰማያዊ ፓርቲ ዮናታን ተስፋዬ ኣብ Facebook ብምንቃፉ ከምዝተኣስረ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ
ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ኢትዮጵያ ንትሸዓተ ዓመታት ተአሲሮም ዝርከቡ ክልተ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ማሕበር ምኽትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ለስሊ ሌፍኮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣህጉራዊ ማህበረሰብ ኩነታት’ቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ክፈልጥ ሓላፍነቱ’ዩ ኢለን።
ስዑዲ ዓረብ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ኹናትን ኹነታት ጸጥታ’ቲ ዞባን ብዝተአሳሰር ስግር ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ንምሕያል ተገዳስነት ተርኢ’ላ።
ተወሳኺ ጽዓን