ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ዜጋታቱ ከኽብርን፡ ነዞም መሰላት ብሰላማዊ መንገዲ ብምግላጾም ዝተኣሰሩ ክፍትሑን ዳግም ንጽውዕ` ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ


ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ (ጸጋም) ን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ጆኒ ካርሰን (የማን)
ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ (ጸጋም) ን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ጆኒ ካርሰን (የማን)

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝርከብ ወጥሪ ከምዘስግኣ ዝገለጹ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦም ናይ ለውጢ ሓሳባት ክትግብር ሃገሮም ከምተተባብዕ ገሊጾም።

“ብሓቂ ብዙሕ ተሻቒልና`ለና። ፕረዚደንት ተሾመ ሙላቱ ንፓርላማኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መንግስቶም ንገለ መረረታት ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ክሰምዕን ኣብ መሰል ዋንነት መሬትን ኣብ መስርሕ ምርጫን ለውጢ ክገብርን ኣሚሞም`ዮም። መንግስቲ ነዞም ዝበሎም ለውጥታት ብወሳኒ መልክዕ ክትግብር ነተባብዕ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣውጺእዎ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ብኸመይ ክትግብሮ ኸምዝሓሰበ መብርሂ ክህብ ነተባብዕ። ብፍላይ ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፡ ምድራት ናይ ምዝራብ ናጽነት፡ምእጋድ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ከምኡ`ውን ንሰዓታት እቶ እቶ ዝምልከት።”

ጆን ከርቢ፡እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ኣብ መሰላት ዜጋታት ጣልቃ ኣትዩ ዝድርት ከይኸውንን፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ነቲ ጸገም ዘጋድድ ኸይኸውንን ስኽፍትኦም ገሊጾም።

“እዞም ስጉምትታት`ዚኦም፡ ስርዓት ንምትሓዝ ዝዓለሙ እንተኾኑ`ውን ንናጻ-ድምጺ ምዕፋንን ኣብ መሰላት ኢትዮጵያውያን ጣልቃ ምእታውን፡ ናይ- ርእሰ-ስዕረት ታክቲክ `ዩ፡ ነቲ ሽግር`ውን የጋድዶ`ምበር ኣይፈትሖን።”

እቶም ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣብ መግለጺኦም፡ እቲ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ከም ምዕጻው ኢንተርነትን ምድራት ሓሳብካ ምግላጽን ዝበሉ ሳዕቤናት ከይህልዎ የሰክፈና`ዩ ኢሎም። ሰልፈኛታትን ኻልኦት ኢትዮጵያውያንን ዘቕርብዎ ዘለዉ ሕጋዊ መረረታት ንምርኣይ፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነትን መሰረታዊ ናጽነትን ኣገዳሲ`ዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ዜጋታቱ ከኽብርን፡ ነዞም መሰላት ብሰላማዊ መንገዲ ብምግላጾም ዝተኣሰሩ ክፍትሑን ዳግም ንጽውዕ ኢሎም።

ዝኾነ ወገን ካብ ተወሳኺ ጎንጺ ክቑጠብ ኣትሪርና ነተባብዕ ዝበሉ ወሃቢ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ከርቢ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዘድልያ ለውጢ ንምብጻሕ ሰላማዊ ልዝብ`ዩ እቲ መፍትሒ ኢሎም።

ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ጆኒ ካርሰን ብወገኖም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍታሕ ክረኽቡ ዘድልዮም ጸገማት ከምዘለው ንጹር’ዩ፡ መንግስቲ፡ ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ ባይታን ከስፍሕ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም ።

“ኢትዮጵያ ዴሞክራሲኣ ኣብ ምሕያል ንመጻኢ ክትደፍአሉ ኣለዋ። ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ክተማሓይሽ ይግባእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት’ታ ሃገር ኩነተ ኣልቦ ሰላምን ኣልቦ ቅሳነትን እንተቀጺሎም፣ ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዘፈራት ዘመዝገበቶም ምዕባለታት ክቅየሩ’ዮም። ስለዚ ዲሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ከተኽብርን፡ ንፖለቲካዊ ውድባት ፖለቲካዊ ባይታ ከተስፍሕን ኣለዋ።”

ኣብ መወዳእታ ‘እዞም ዝጠቀስኩዎም ጸገማት መዕለቢ ክሳብ ዘይረኸቡ ግን፣ እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዘፈራት ንዘመዝገበቶም ኣዎንታታት ክልከሙ`ዮም’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG