ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምእሳር ዶ/ር መረራ ጉዲና፡ ንሰላምን ጸጥታን ኢትዮጵያ መዘዝ ከየስዕብ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ይሰግእ

  • መለስካቸው ኣምሃ
  • ተወልደ ወልደገብረኤል

መድረክ

ናይ ኢትዮጵያ ፓርቲ ዲሞክራስን ሓድነትን `መድረኽ ` ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሕብረት ኤውሮጳ ተዓዲሙ ንዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ፓርቲ ናብ ኤውሮጳ ዝተጓዕዘ ዶ/ር መረራ ጉዲና፡ ክእሰር ምኽኑይ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ኢህወደግን ተቓወምትን ዝተገብረ ስምምዕ ዶ/ር መረራ ብህጹጽ ክፍትሑ ከምዝግባእ`ውን ኣዘኻኺሩ`ሎ።

“ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ንፓርላማ ኤውሮጳ መግለጺ ብምሃቦም፡ ኸም ገበን ተቖጺሩ፡ ምስ ኣሸበርቲ ተራኺቡ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ጥሒሱ ወዘተ ብዝብሉ ስንኩላት ሰበባት”, መንግስቲ ንዶ/ር መረራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጉንዎም ይርከብ ይብል መድረኽ።

እቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ብተወሳኺ ብዛዕባ ምስ ኣሸበርቲ ተራኺቡ ዝብል ክሲ ድማ ኣብ ዓለም-ለኻዊ ኣኼባስ ይትረፍ፡ ኣብ ሓደ ናይ ጸበል መኽፈልቲ`ኳ መንበር መሪጽካ ኣይኮንካን ኮፍ ትብል ይብል ።

ምሉእ መግለጺ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG