ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ጻዊዒት የቕርብ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ለስሊ ለፍኮ ምክትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች

ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ኢትዮጵያ ንትሸዓተ ዓመታት ተአሲሮም ዝርከቡ ክልተ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ማሕበር ምኽትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ለስሊ ሌፍኮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣህጉራዊ ማህበረሰብ ኩነታት’ቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ክፈልጥ ሓላፍነቱ’ዩ ኢለን።

ኣብ 2006 ዓ.ም ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ዝርከብዎም ብርኽት ዝበሉ ዜጋታት ሃገራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኻብ ሶማል ናብ ኬንያ ድሕሪ ምእታዎም፡ መንግስቲ ኬንያ ናብ ሞቓዲሾ ከምዝጠረዞም ኣብቲ እዋን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬንያ ዝነበሩ ዶ/ር ኣልፈርድ ሙታእ ኣፍሊጦም ኔሮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2007 ዓ.ም.ፈ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ሒዘዮም ካብ ዝበሎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ንተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ብቪድዮ ኣርእዩ ምንባሩ ይፍለጥ። ኩነታት ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ካብ ዝተራእየሉ እዋናት ምሕጽንታ ኻብ ዘቕረቡ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት ሓደ ሂማን ራይትስ ዎች’ዩ። ኣብዚ ትካል ምክትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ለስሊ ለፍኮ ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ከምዚ ትብል።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2007 ዓ.ም.ፈ ካብ ኬንያ ናብ ሞቓዲሾ ከምዝተጠረዙ ድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተወሰዱን ንፈልጥ። እዚኣቶም ኣካል ናይቶም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሕብረት እስላማዊ ቤት-ፍርዲ ንምውቃዕ ንሶማል ድሕሪ ምእታዎም ናብ ኬንያ ዝአተው ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት’ዮም። ኻብ ሞንጎኦም ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ኬንያዊያንን ካልኦትን ኔሮም።
ኣብ ሂማን ራይትስ ዋች ምክትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ለስሊ ለፍኮ

'ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ኣብ ወርሕ ጥሪ 2007 ዓ.ም.ፈ ካብ ኬንያ ናብ ሞቓዲሾ ከምዝተጠረዙ ድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተወሰዱን ንፈልጥ። እዚኣቶም ኣካል ናይቶም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሕብረት እስላማዊ ቤት-ፍርዲ ንምውቃዕ ንሶማልያ ድሕሪ ምእታዎም ናብ ኬንያ ዝአተው ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት’ዮም። ኻብ ሞንጎኦም ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ኬንያዊያንን ካልኦትን ኔሮም።'

'ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ኣብ ሚያዝያ 2007 ዓ.ም.ፈ ከም ኣባል 41 ካብ ሶማልያ ዝተወሰዱ ውልቀ-ሰባት ኾይኖም ኣብ ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ተራእዮም ኔሮም። ስለዚ ምስኦም ከምዝነበሩ ኢና ንፈልጥ'ትብል ኣስዒባ።

ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ኹነታት ክልቲኦም ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓተቱ ካብ ላዕለዋት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን 'መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዜጋታቱ ዝሓስብ እንተዝኸውን ናብ ሶማል ኣይምሰደዶምን' ኢሎም ምንባሮም ይዝከር።

ለሰሊ ለፍኮ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ጋዜጠኛታት ክፈትሖም ወይ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም`ዩ ዝግባእ፡ ነዚ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG