ዋሽንግተን —
ኣመሪካውያን ሎሚ ሓሙስ ንመዓልቲ ምስጋና ከምቲ ብብዓመቱ ዝገብርዎ ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ብመኣድን ብፈስታን የኽብርዎ`ለዉ።
ፕረዚደንት ኦባማን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮምን ስልጣን ፕረዚደንትነት ኣመሪካ ዝርከቡ ዶናልድ ትራምፕን በብወገኖም ናይ ሓድነትን ስምምዕን መልእኽቶም ኣሐሊፎም ኣለዉ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮ-ኤርትራውያንን ካብኡ ዝውለዱ ኣመሪካውያንን ብዛዕባ`ዚ ሎሚ ሓሙስ ዝተኸብረ መዓልቲ ምስጋና ብኸመይ የብዕልዎ ከምዘለዉ ተመክሮታቶም ኣካፊሎም ኣለዉ።
ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተኻየደ ናይ ተሌፎን ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይኸኣል ።