ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ንምሕያል ተገዳስነት ተርእይ


ስዑዲ ዓረብ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ኹናትን ኹነታት ጸጥታ’ቲ ዞባን ብዝተአሳሰር ስግር ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ንምሕያል ተገዳስነት ተርኢ’ላ።

ብተመሳሳሊ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ምሕዝነታ ከተሐድስ ዕድል ክኸፍት ይኽእል’ዩ ክብሉ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሄርማን ኮሃን ተስፍኦም ይገልጹ።

መስመር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዓለምና እቲ ዝበዝሓ ናይ ንግዲ መራኸቢ ዝመላለሳሉ መስመር’ዩ። እዚ መስመር’ዚ ኽትራን ባሕሪ፡ ግብረ ሽበራ፡ሸቀጥ ዕጸ-ፋርስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋራት’ውን የስግኦ’ዩ። ነዚ ስግኣት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ስዑዲ ዓረብ ኣብ ግጭት የመን ምትእትታው ኻብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣትሒዛ ምስ ከም ኤርትራ ዝበላ ሃገራት ቕይሕ ባሕሪ ክትሰርሕ ተገዳስነት ኣርእያ።

ኤርትራ ኣብ’ቲ 12 ሃገራት ዝሓቆፈ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ዝካየድ ወታሃደራዊ ኪዳን ኣባል ኣይኮነትን እንተኾነ ግን ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ መዓርፎ ነፈርትን ካልእ መሳለጥያታትን ብምሃብ ኣገዳሲ ተራ ትጻወት ከምዘላ ይግለጽ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ንምሕያል ተገዳስነት ተርእይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00

XS
SM
MD
LG