ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ - ተማሃሮ ዓዲ ተኸላቢ ኣብ ከባቢኦም ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብዘይምህላዉ ይጽገሙ


ኣባ ስምኦን ተወልደመድህን
ኣባ ስምኦን ተወልደመድህን

ኣብ ኤርትራ- ዞባ ደቡብ- ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ኣብ `ተኸላቢ` ትብሃል ዓዲ ዝማሃሩ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ፡ ኣብ ከባቢኦም ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ብዘይምህላዉ ሻቕሎት ከምዝሓድሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ካብ መንጎ ሳዕቤናት`ቲ ጸገም ድማ፡ ገለ ወለዲ ንኣዋልድ ደቆም ናብ ርሑቕ ከተማታት ካብ ምስዳድ፡ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ክመርጹለን ከምዝግደዱ ይጥቀስ።

“ ስድራ-ቤታት፡ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ደቆም፡ ከም ኣብ ደቀምሓረን ሰገነይትን ዝበላ ርሕቕ ዝበላ ከተማታት በይነን ገዛ ተኻርየን ክምሃራ ኣይወሓጠሎምን`ዩ” ይብሉ ዳይሬክተር`ታ ማእከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ።

ዝሓለፈ ወርሒ ብኣጋጣሚ ናብ`ቲ ኸባቢ ዝተንቀሳቐሰ ተወልደ ወልደገብርኤል፡ንዳይረክተር`ታ ቤት-ትምህርቲ ንኣባ ስምኦን ተወልደመድህን ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።


XS
SM
MD
LG