ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ኤርትራውያን: ኣትላንቲክ ካውንስል ኣብ ዘዳለዎ ኣብ ጽምዶ ኣሜሪካን ኤርትራን ዘተኮረ ዓውደ-ዘተ ይዘራረቡ


ሳልሕ ዮኑስ(ጸጋም)፡ኢብራሂም ዓብደኑር(ካልኣይ ካብ ጸጋም)፡ኤልያስ ኣማረ(ሳልሳይ ካብ ጸጋም) ን ገረንስኤ ኣስፍሃ(የማን)
ሳልሕ ዮኑስ(ጸጋም)፡ኢብራሂም ዓብደኑር(ካልኣይ ካብ ጸጋም)፡ኤልያስ ኣማረ(ሳልሳይ ካብ ጸጋም) ን ገረንስኤ ኣስፍሃ(የማን)

ኣትላንቲክ ኮንስል ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ትካል ፖሊሲ፡ ዝሓለፈ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝምድና ክልቲኤን ንምምሕያሽ ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት ሓደ መድረኽ ዓውደ-ዘተ ኣዳልዩ ኔሩ።

ኣብቲ መድረኽ መጽናዕታዊ ጽሑፋቶምን ተሞክሮታቶምን ዘቕረቡ ኣሜሪካውያን ምሁራትን ክኢላታት ፖሊሲን- ፒተር ፋም፡ ብራንውን ብሩቶን፡ ሰት ካፕላን፡ ኣንቶኒ ከሮልን፡ ዳን ኮነልን፡ እዮም።

ነቲ ዓውደ-ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ገምጋሞም ዝሃቡ፡ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኤልያስ ኣማረ፡ ጸሓፍን ኣሰናዳእን ገዳብ ኒውስ ሳልሕ ዮኑስ፡ንጡፍ ኣባል ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኢብራሂም ዓብደኑር፡ ኣባል ተለቪዥን መኣዲ ዘተ ገረንስኤ ኣስፍሃ`ዮም።

ቀዳማይ ክፋል`ቲ ዘተ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG