ካልእ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈን ወረቃቅቲ ዘቕረበን ኤርትራዊ ሜሮን ሰመዳር’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዋዕላን ጉዳይ ኣድሪቃዊያን ስደተኛታትን ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 33 ሃገራት ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ንዝርኸቡ 93 ሚልዮን ሰባት ናይ ሕይወት ምድሓን ሓገዝ ንምሃብ ናይ 22.2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ምምዕባሉን ብሰንኪ እዚ 13.8 ሚልዮን ሰባት ምጥቕዖምን እዚ ሓደጋ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ማዳጋስካር፡ማላዊን ዝምባብወን ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ይረአይ ምህላው ተገሊጹ።
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝምባብወን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ወፍሪ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝኻየድ ጎነጽ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ን16 መዓልታት ዝጸንሕ ወፍሪ ኣብ ዝምባብወ ዝርኸቡ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ አንስትዮ ዋላ’ኻ ቅዋም እታ ሃገር እንተዘየፍቕድ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝዘውትሮ ጉዳይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከተኹር እዩ።
(No subject) WK Winta Kidane Reply all| Today, 10:41 AM Winta Kidane ኣብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዝኽበር መዓልቲ ምስጋና ሓደ ጉጅለ ወለኝተኛታትን ምስ አባላት ማህበረሰባብ ኢትዮጵያዊያን ብምኻን ናብ ኣሜሪካ ንዝመጹ ሓደሽቲ ስደተኛታት ናይ ድራር ግብዣ የዳልው። እዞም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣርሊንግተን ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ዝርኸብ አዳራሽ ብሓባር ብምእኻብ ነዚ መዓልቲ ምስጋና የኽብሩ።
ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ሽልማት ንሲቪላዊያን ዝኾነ “መዳልያ ነጻነት” ንመጨረሻ ጊዜ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ን21 ሰባት ዓዲሎም። እቶም ነዚ ሽልማት ዝበቕዑ ሰባት ተዋሳእቲ፡ሙዚቐኛታት፡ኣትሌታት፡ ተመራመርቲ ኣብ ተግባር ሰብአዊነት ዝተዋፈሩን ካልኦትን ይርኸብዎም።
ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ታህሳስ 1 ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ይውዕል። ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝወጸ ሓድሽ ሪፖርት ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ ቁጽሪ ተጠቐምቲ መድሃኒት ምብዝሑን ብሰንኪ እዚ ድማ ብኤችኣይቪን ምስኡ ብዝተሓሓዝ ሕማማት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምጉዳሉ ይገልጽ።
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ን300 ሺሕ ስደተኛታት ምዕቓቡ ካብዚኣቶም ድማ 12 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ኣብ ሕ/ሃ ኮሚሽን ስደተኛታት ሓቢሩ።
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ን300 ሺሕ ስደተኛታት ምዕቓቡ ካብዚኣቶም ድማ 12 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ኣብ ሕ/ሃ ኮሚሽን ስደተኛታት ሓቢሩ። መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝዓጽዎ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።ኣብቲ መዓስከር ተዓቑቦም ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መንግስቲ ነቲ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ከምዝገለጸሎም ይሕብሩ። እዚ ድማ ኣብ መነባብርኦም ዓብይ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይሕብሩ።
መበል 16 ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኽብዎ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣብ 20 ኪ.ሜ ብራኸ ዝተኻየደ ውድድር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣትሌታት’ውን ተሳቲፎም እዮም።
ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር ተቃውሞታት ምልዓሉ ተሓቢሩ። እዞም ንምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምቕዋም ዝኻየዱ ሰልፍታት ኣብታ ብታሪኽ ደጋፊት ሪፖብሊካዊያን ፓርቲ ብምኳና ዝፍለጥ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ከይተረፈ ይኻየድ ምሕላው ተገሊጹ’ሎ።
ፖሊሲ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዕዳጋን ንግዲን ዓለም ብኸመይ ይጸልው ዋና ትኹረት ብዙሓት እንተኾነ’ዃ ኣብ ኣፍሪቃ’ኸ እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ እዩ’ውን ካብ ዝለዓሉ ዘለዉ ዛዕባታት ሓደ እዩ። ገለ ተንተንቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንገለ መራሕቲ ኣፍሪካ ናብ ዓቓባዊ ማህበራዊ ፖሊሲ ክህልዎም ከለዓዕል እዩ ይብሉ።
ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ሂላሪ ክሊንተን ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኾይኖም ትማሊ ዝተመርጹ ዶናልድ ትራምፕ ዕውት ፕረዝደንት ንኹሎም ኣሜሪካዊያን ኽኾኑ ተስፋ ከምዝገብራ ገሊጸን።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣፍልጦ ሕማም መንሽሮ ጡብ ንምዕባይ ጎስጓስ ዝኻየደሉ ወርሒ ኾይኑ ይዝኸር። ወርሒ ጥቅምቲ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ወርሒ ጽገረዳ ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ።ኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል’ውን ኣብዚ ወርሒ ኣፍልጦ እዚ ሕማም ንምዝርጋሕ ብንጡፍ ይሰርሕ።
ዓለምለኸ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ፖሊስ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ናብ ማያዊ ዶባት ጣልያን ዝኣትው ስደተኛታት ከም ማህረምቲ ዝአመሰሉ ካልኦት ስቅያትን መግሃስትታት ሰብአዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ከሲሱ።
ዳኛ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምምሕዳር ፕረዝደንት ዙማ ንዝቐረበ ክስታት ብልሽውና ዝሓዘ ሪፖርት ወግዓዊ ኽኸውን ወሲኑ’ሎ። እቶም ዳኛ ነዚ ውሳኔ ሎሚ ረቡዕ ዘመሓላለፍዎ ክኾኑ ኸለው እዚ ውሳኔ ፕረዝደንት ዙማ እቲ ሪፖርት ወግዓዊ ከይኸውን ከካይድዎ ዝጸንሑ ጓስጓስ ከምዘቋረጽዎ ድሕሪ ምግላጾም ምውሳኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብአዊ ጉዳያት ስቲቨን ኦ ብራይን እታ ብኹናት ዝባደበት የመን ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዋ አሎ ኢሎም።
ኢልሃን ዑመር ቅድሚ 22 ዓመታት ካብ ሃገራ ሶማል ተሰዲዳ ኣብ ኬንያ መዓስከር ስደተኛታት ዝተዓቑበት ሎሚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኣባል ንምዃን ተወዳደር ዘላ’ያ። ኣብ ኣሜሪካ ታሪኽ ንምስራሕ ዝመደበት ኢልሃን መባእታዊ ዘመተ ምርጫ ዕውት ኔሩ። ጓል 33 ዓመት ኢልሃን ዑመር ምሉእ ርእሰ ተአማንነት ኣለዋ ብውሳኔኣ ድማ ኣይትጠዓሰን።
ተወሳኺ ጽዓን