ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂላሪ ክሊንተን፡ ደገፍተን ንመሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብኽፉት ኣእምሮ ክቕበሉ ጸዊዓን


ሂላሪ ክሊንተን ንስዕረትን ከምዝተቐበላ ዝገለጻሉ መደረ- ኒውዮርክ
ሂላሪ ክሊንተን ንስዕረትን ከምዝተቐበላ ዝገለጻሉ መደረ- ኒውዮርክ

ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ሂላሪ ክሊንተን ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኾይኖም ትማሊ ዝተመርጹ ዶናልድ ትራምፕ ዕውት ፕረዝደንት ንኹሎም ኣሜሪካዊያን ኽኾኑ ተስፋ ከምዝገብራ ገሊጸን።

“ትማሊ ንዶናልድ ትራምፕ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኹም መልእኽተይ ገሊጸ ምስኦም ንምስራሕ ዘለኒ ድልየት’ውን ገሊጸ።”

ሂላሪ ክሊንተን አቐዲመን ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝነበራ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ እንተዝዕወታ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ምዃና ኔረን እንተኾነ ኣይተዓወታን። ሂላሪ ክሊንተን ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ስዕረት ናይ ምቕባል መደረ ኣብዚ ምርጫ ብዘይምዕዋተን ይቕርታ ሓቲትን እዚ ድማ ብሓባር ንአምነሉ ክብርታትን ንንርእዮ ብሩህ መጻኢን ኣሜሪካ እዩ ኢለን።

ካብ መደረ ሂላሪ ክሊንተን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:28 0:00

“ውጽኢት’ዚ ምርጫ ዘጉህይ እዩ ብቐሊሉ ዝርሳዕ ‘ውን ኣይኾነን።”

ንሰን ብተወሳኺ ንደገፈተን ኣሜሪካ ካብቲ ዝሕሰብ ንላዕሊ ከምዝተኸፋፈለትን እንተኾነ ኩሎም ደገፍተን ንመሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብኽፉት እእምሮ ኽቕበሉ ጸዊዓን።

“ዶናልድ ትራምፕ ፕረዝደንትና ክኾኑ እዮም። ንሕና ድማ እንተወሓደ ብኽፉት ኣእምሮ ክንቕበሎን ንመሪሕነት ዕድል ክንሕቦም ይግባእ።”

ሂላሪ ክሊንተን ንመንእያት ኣብ ዘመሓለለፍኦ መልእኽቲ ኣብ ሂወተን ብዙሕ ዓወትን ዕንቕፋታትን ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ንዝአምንሉ ነገር ካብ ምቕላስ ደው ከይብሉ ምዒደን።

ንሰን ንደቂ አንስትዮ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ዕውቲ አብነት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብምኻነን ከምዝሕበና ገሊጸን።

ንኹሎም ኣብ ወፍሪ ዘመተ ምርጫኣን ዝተሳተፉን ዝተዋስኡን ንሕጹይ ምኽትል ፕረዝደንት ቲም ኬን ወሲኻ ኣመስጊነን።

እዚ ከምዚ’ሎ ኸሎ ፕረዝደንታ ባራክ ኦባማ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ንኽብሪ መስርሕ ምርጫ ኣሜሪካ ብምጥቃስ ምምሕዳሮም ንትግባረ ስርዓታዊ ምስግጋር ስልጣን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጾም።

“ትማሊ ለይቲ ምስ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ምዝራብ ዕድል ረኺበ ኔረ። ኣብ ምርጫ ስለዝተዓወተ እንዃዕ ሓጎሰኻ ኢለዮ።ጽባሕ ሓሙስ ናብ ዋይት ሃውስ ንኽመጽእን ኣብ መንጎና ዕውት ምስግጋር ፕረዝደንታዊ ስልጣን በዛዕባ ንፍጽመሉ ንኽንዘራረብ ዓዲመዮ ኣለኹ።"

መደረ ባራክ ኦባማ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:12 0:00

ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ሂላሪ ክሊንተን ወጊኖም ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ በሊሕ ነቐፌታ ገምጋምን ክህቡ ምጽንሖም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ሂላሪ ክሊንተን፡ ደገፍተን ንመሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብኽፉት ኣእምሮ ክቕበሉ ጸዊዓን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00

XS
SM
MD
LG