ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ክፍለግዝኣት ሚነሶታ ትወዳደር


ኢልሃን ዑመር
ኢልሃን ዑመር

ኢልሃን ዑመር ቅድሚ 22 ዓመታት ካብ ሃገራ ሶማል ተሰዲዳ ኣብ ኬንያ መዓስከር ስደተኛታት ዝተዓቑበት ሎሚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኣባል ንምዃን ተወዳደር ዘላ’ያ። ኣብ ኣሜሪካ ታሪኽ ንምስራሕ ዝመደበት ኢልሃን መባእታዊ ዘመተ ምርጫ ዕውት ኔሩ። ጓል 33 ዓመት ኢልሃን ዑመር ምሉእ ርእሰ ተአማንነት ኣለዋ ብውሳኔኣ ድማ ኣይትጠዓሰን።

ኢልሃን ኣብዚ ኣሜሪካ ትነብር ተኸታሊት እምነት እስልምና ብምዃና፡ ጸላም ብምዃና፡ ስደተኛ ብምዃና ተቕርቦ ይቕሬታ ከምዘየለ ትሕብር።

ኢልሃን ዋላ’ዃ ንፖለቲካ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ሓዳሽ እንተኾነት ንእሽተይ ቆልዓ ኾይና ካብ ሃገራ ሶማል ካብ ትስደድ ነዊሕ መንገዲ መጺኣ’ያ።

“እታ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበረት ንእሽቶይ ቆልዓ ዘገድሳ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብሕይወት ምንባር ጥራይ እዩ ኔሩ። ብዛዕባ’ዚ ዓብይ ሕልሚ ኾነ መደብ ትሓስብ ኔራ ኢለ ኣይግምትን።”

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚነሶታ ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይንስ ዝኾኑ ላውረንስ ጃኮብዝ ግን ኢልሃን ነቲ ምርጫ ተዓዊታ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ’ቲ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ መንበር ክትረኽብ ዘሎ ዕድል ጸቢብ እዩ ይብሉ።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ኹሉ ኣንጻራ’ዩ ይብሉ። ሚነሶታ ዝበዝሓ ካብ ነበርታ ኣመንቲ ክርስትና ኽኾኑ ኸለው ኢልሃን ግን ኣማኒት እስልምና እያ፡ ዝበዝሐ ነበርቲ ሚነሶታ ጸዓዱ ኽኾኑ ኸለው ኢልሃን ድማ ጸላም እያ፡ ኢልሃን ጓል ኣንስተይቲ’ያ ኣብ ሓጋጊ ኣካል እዛ ክፍለ ግዝኣት ድማ ደቂ ኣንስትዮ እኹል ተወኸልቲ የብለንን፡ ስደተኛ’ውን እያ ኣብዛ ዉሑድ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝነብሩላ ክፍለ ግዝኣት ይብሉ።

ኣብ ሚነሶታ አስታት 25,000 ሶማልያዊያን ኣሜሪካዊያን ይነብሩ መብዛትሕኦም ድማ ብስደት ዝመጹ እዮም። እንተኾነ መብዛሕትኦም ካልእ አካል’ቲ ዳያስፖራ ዝኾነ መሃመድ ኑር ዝተባህለ ተወዳዳሪ ይድግፉ። እዚ ድማ ካልእ ካብቲ ክልተ ዓበይቲ ብድሆታት ኢልሃን ኣብ መባእታዊ ምርጫ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG