ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍልጦ ሕማም መንሽሮ ጡብ ንምዕባይ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ውድድር ጉያን ጉዕዞ እግሪን ተኻይዱ


ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣፍልጦ ሕማም መንሽሮ ጡብ ንምዕባይ ጎስጓስ ዝኻየደሉ ወርሒ ኾይኑ ይዝኸር። ወርሒ ጥቅምቲ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ወርሒ ጽገረዳ ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ።ኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል’ውን ኣብዚ ወርሒ ኣፍልጦ እዚ ሕማም ንምዝርጋሕ ብንጡፍ ይሰርሕ።

ኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ቨርጂንያን ሜሪላንድን ዝርኸቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያን ብምትእኽካብ ናይ ሓጺር ርሕቀት ናይ ጉያ ውድድርን ጉዕዞ እግሪ ብምኽያድን ገንዘብ የተአኻኽብ። ኣብዚ አጋጣሚ ዝተአኸበ ገንዘብ ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርኸቡ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ኣገልግሎት ጥዕና ኽረኽቡ ነቲ ሕማም ንምሕኻም ንምኽልኻልን ዘገልግሉ መሳርሕታትን ናብተን ሃገራት ንምልኣኽ ይውዕል። ብተወሳኺ ኣፍልጦ’ቲ ሕማም ኣብ ዓለም ንምዝርጋሕ’ውን ይሰርሕ።

ገለ ካብ ተሳተፍቲ
ገለ ካብ ተሳተፍቲ

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ ትካል ዘዳለዎ ናይ 5 ኪ.ሜ ጉያ ውድድር ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ ተኻይዱ። ኣብዚ ውድድር ኣስታት 250 ዝኾኑ ሰባት ተረኺቦም። መብዛሕትኦም ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያን እንተኾኑ ካልኦት ዜጋታት’ውን ንፈተውትን ቤተሰብ ሕሙማት መንሽሮ ጡብ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ ኣብቲ አጋጣሚ ተሳቲፎም’ዮም። እዚ ትካል ምሳሌ ብዝብል መሪሕ ቃል ነዚ ተበግሶ ከምዘካይድ’ውን አካያዲን መስራቲት እቲ ትካልን የረድኣ።

መስራቲትን አካይዲትን ኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማን ሓገዝ ወሃቢ ትካል ወ/ሮ ቬሮኒካ ሙሴ ብዛዕባ ዕላማ’ቲ ትካል ክሳብ ሕጂ ዝተጎናጸፎን ከምዚ ክብላ የረደኣ።

ብኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል ዝተኻየደ ጉዕዞ እግርን ውድድርን ጉያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:25 0:00

“እዚ ሎሚ ዓመት ዝዝኸር ዘሎ ኣፍልጦ መንሽሮ ጡብ ኣብ ምዝርጋሕ ንዝኻየድ ናይ እግሪ ጉዕዞን ናይ ጉያ ውድድርን ንመበል ራብዓይ ጊዜ ነኻይድ ኣለና። ነዚ ከነዳልው ዝኸአልና ብዙሓት ነዚ አጋጣሚ ስፖንሰር ዝገብሩ ትካላትን ወለኝተኛታትን ረኺብና ኢና ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየድናዮ ጉዕዞ እግሪን ውድድርን ጉያን ዘአኻከብናዮ ገንዘብ ንሕሙማት አሕዋትና ብፍላይ ድማ ናይ ጥዕና ኢንሹራንሶም ንዘይሽፍኖ ካልእ ንናብራ ዘድልዮም ነገራት ኣብ ምምላእ መዓላ ኣውዒልና። ሎሚ ዓመት ድማ ዕላማና አስታት 20 ሽሕ ዶላር ንምእኻብ እዩ። እዚ ገንዘብ ምስቲ ቕድሚ ሕጂ ክልተ ዓመታት ዝተአኸበ ገንዘብ ሓውሲና ናይ “ማሞግራም” መሳርሒ ናብ ኤርትራን ንኢትዮጵያን ንምልኣኽ እዩ። ነዚ መሳርሒ ንምግዛእ ኾነ ንምግልጋል ብዙሕ ገንዘብ ይሓትት እዩ ስለዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምትእኽካብና ነዚ አማሊእና ነቲ መሳርሒ ከምንልኣኽ ተስፋ ንገብር። ብተወሳኺ ነዚ ዕላማ ንምምላእ ምስ ራይት ኤድ ዝተባህለ ትካል’ውን ብምትሕግጋዝ ንሰርሕ ኣለና።”

ኣልፋ ናይ መንሽሮ ጡብ ሕሙማት ሓገዝ ወሃቢ ትካል ካብ ዝምስረት ራብዓይ ዓመቱ ዘቑጸረ ኽኸውን ከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሳልሳይ ሰሙን ቀዳም ድማ ንሕሙማትን ብዛዕባ እዚ ሕማም ኣፍልጦ ኽህልወዎም ዝደልዩ ሰባት ዝተአኻከብሉ መደብ ዘተን ምምኽኻርን የኻይድ። እዚ መደብን ዘተ ብብዝሒ ሕሙማን በዚ ሕማም ሓሊፈን ምሉእ ጥዕና ዝረኸባ ተመክሮአን ዘኻፍላሉን ምኽሪ ዝልግሳሉን ጊዜ’ውን እዩ።

ኣባላትን እዚ ጉጅለ ንሕሙማት ጥራይ ዘይኮነ አባላት ስድራቤት’ውን ኣብዚ መደብ ክሳተፉ የበራትዓ ምኽንያቱ እዚ ናይ ምድግጋፍን፡ምምኽካርን ተመክሮ ምኽፋልን መደብ ኣፍልጦ እቲ ሕማም ኣብ ምዝርጋሕ’ውን ዓብይ አበርኽቶ አለዎ ኢለን ይአምና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG