ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ኣሜሪካ ኣንጻር ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ተቓውሞታት ይካየዱ ኣለው


ተቓውሞታት ኣንጻር ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ
ተቓውሞታት ኣንጻር ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ

ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር ተቃውሞታት ምልዓሉ ተሓቢሩ። እዞም ንምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምቕዋም ዝኻየዱ ሰልፍታት ኣብታ ብታሪኽ ደጋፊት ሪፖብሊካዊያን ፓርቲ ብምኳና ዝፍለጥ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ከይተረፈ ይኻየድ ምሕላው ተገሊጹ’ሎ።

ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምርኻቦም ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ኣብ አፍደገ እቲ ቤተ መንግስቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ወፍሪ ዘመተ ምርጫኦም ንተወላዶ ሜክሲኮ ካብታ ሃገር ከምዝሰጉዎምን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘይስነምግባራዊ መግለጺ ምጥቓሞን ብምቕዋም እቲ ሰልፊ ምኽያዱን ብተወሳኺ ኣብ መንበሪ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነት ከተማ ኒውዮርክ እውን ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምኽያዱ ተገሊጹ’ሎ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ናይ ኒውዮርክ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተሳተፍቲ ከምዚ ይብሉ።

“ ንሱ ሕማቕ ሰብ እዩ። ብዛዕባ እዛ ሃገር ዝዛረቦ ዘበለ ዘይእሩምን ተጸላኢ ነገራትን እዩ። መርገጺታቱ ኣብ ጽልኢን ምክፍፋልን ዝተመስረተ እዩ። ንዝኾነ ኣብ ለውጢን ኣብ ምዕባለ እዛ ዓለም ንዝአምን ኩሉ ይንጽል ብተወሳኺ ድማ ሓሳዊ እዩ።”

ስለዚ እዞም ሰልፊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዎ እንታይ ውጽኢት ክረኽቡ እዮም ዝደልዩ ንዝብል ዝለዓል ሕቶ ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፈት ተማሃሪት ካሊፎርንያ ዩኒቨርሲቲ ከምዚ ትብል።

“ኣነ ኣሜሪካ ናይቶም ድምጾም ዝሃብዎ ሰባት ጥራይ ዘይምዃና ከዘኻክር እየ ኣብዚ ቦታ ዝተረኸብኹ፡ ኣሜሪካ ናይቶም ምስኡ ዘይሰማምዑ ሰባት’ውን እያ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክንበጽሕ ድማ ተስፋ እገብር።”

ተንታኒ ፖለቲካ ካላውስ ላራስ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘኻየድዎ ቃለ ምልልስ እዚ ተቓውሞታት’ውን ሓደ ምልክት ተግባራዊ ዲሞክራሲ ኮይኑ ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ምትእትታው ዘለዎ’ውን ኣይኽኸውንን ይብሉ።

ብተወሳኺ ንሶም እዚ ተቓውሞታት ቑሩብ ደንጉዩ እዩ ይብሉ።

“እዞም ተቓውሞታት ኣቐዲሞም ክኻየዱ ኔርዎም በዚ ድማ ሰባት ዕቱብነት እቲ ጉዳይ መዘኻኸሪ ምኾኑ ኔሮም። እንተኾነ ሕጂ ግን ነቲ ውጽኢት ብምቕባል ከምቲ ፕረዝደንት ኦባማ ዝበልዎ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ፖሊሲታቶም ከተግብሩ ዕድል ክንህቦም ኣለና ሽዑ ክንቃወም ወይ ከይንቓወም ምኽንያት ክሕልወና እዩ።”

ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ዓወት መደረኦም ኣሜሪካ ቁስላ ከተሕውይ አለዋ ክብሉ ንብዙሓት አገሪሞም እዮም። እንተኾነ ግን ድሕሪ ትማሊ ሓሙስ ምስ ፕረዝደንት ኦባማን አፈ-ጉባኤ ፖል ራያን ዘካየድዎ ርኽብ እቲ ኣብ ወፍሪ ምርጫኦም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ዘይቅድዊ አዘራርብ ኣይተራእየን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG