ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ፖሊስ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መግሃስትታት ፈጺሞም" ኣምንስቲ ከሲሱ


ኣብ መዋፈሪ ባቡር ከተማ ኮሞ ጣልያን ዝተዓቕቡ ስደተኛታት - 12 ነሓሰ2016.
ኣብ መዋፈሪ ባቡር ከተማ ኮሞ ጣልያን ዝተዓቕቡ ስደተኛታት - 12 ነሓሰ2016.

ዓለምለኸ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ፖሊስ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ናብ ማያዊ ዶባት ጣልያን ዝኣትው ስደተኛታት ከም ማህረምቲ ዝአመሰሉ ካልኦት ስቅያትን መግሃስትታት ሰብአዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ከሲሱ።

ኣምንስቲ ብተወሳኺ ነዚ መግሃስትታት ተሓታቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዝፈጠሮ መስርሕ እዩ ይብል፡ እዚ መስርሕ ሰበ ስልጣን ጣልያን ንስደተኛታት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ክህዙ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥር እዩ ይብሉ።

ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታት ኣብታ መጀመርያ ዝአተውዎ ሃገር ኣውሮጳ ክምዝገቡን አሰር አጻብእቶም’ውን ክምዝገብ ኣለዎ እዚ ድማ ነቲ ሕቶ ምሕታት ዑቕባ ዘቐላጥፍ እዩ ይብል።

እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ከም ብሪታንያ ዝአመሰላ ነዚ ሕጊ ዝጻረራ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዑቕባ ኽሓቱ ይደልዩ።

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት አምንስቲ ኢንተርናሽናል ካብ ዘራረቦም 170 ስደተኛታት 24 አሰር አጻብእቶም ንምሃብ ፍቓደኛታት ብዘይምኳኖም ዝተፈላለየ መግሃስቲ ከምተፈጸሞም ይገልጹ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ኣብ መስርሕ ምቕባል ስደተኛታት ዝለዓል ደረጃ ሰብአዊ መሰላት ንምጥቓም ዘለዎም ዕላማ ይሰርሕሉ ምህላዎም ይገልጽ።

ወርሒ ጥቕምቲ ብብዝሒ ስደተኛታት ጣልያን ዝበጽሕሉ ወርሒ እዩ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሪፖርት መሰረት 27,000 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣብ ገማግማ ባሕሪ ጣልያን በጺሖም ኣለው።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ኻብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሱ ብኽልተ ጀላቡ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ሓደጋ 200 ሰባት ምጥሓሎም’ውን ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ፖሊስ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መግሃስትታት ፈጺሞም ክብል ኣምንስቲ ከሲሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:03 0:00

XS
SM
MD
LG