ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዲም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ በረኸት ዘሚኪኤል ዓሪፉ፤ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ጭዓት ንኡስ ዞባ ድባርዋ ተፈጺሙ


ኣባል ሕርይቲ ጋንታታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣባል ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ኤልፓን ዝነበረ ገዲም ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ በረኸት ዘሚኪኤል ትማሊ ኣብ ኣስመራ ኣብ መበል 51 ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ሎሚ ሓሙስ 15 ታሕሳስ,2016 ዓ.ም ኣብ ዓዱ ጨዓት ንኡስ ዞባ ድባርዋ ተፈጺሙ።

በረኸት ብቴክኒካዊ ክእለቱ ኣብ መወዳእታ 70ታት ክሳብ መጀመርያ 90ታት ኣዝዩ ፍሉጥ ተጻዋታይ እዩ ኔሩ።

ኣብ ማይተመናይ ኣብ ናይ ዞባ ውድድራት ብዘርእዮ ዝነበረ ቴክኒካዊ ብስለት ኩዕሶ እግሪ ክሳብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመሪጹ ክስለፍ ዝበቕዐ ተጻዋታይ’ዩ።

በረኸት ሓዊ`ቲ ብናይ ኩዕሶ ተክኒካዊ ብቕዓቱ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ዝነበረ መንእሰይ ዮውሃንስ ዘሚካኤል`ዩ።

በረኸት በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን እዩ።

XS
SM
MD
LG