ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኹናት ዝባደመት የመን ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዋ ኣሎ


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብአዊ ጉዳያት ስቲቨን ኦ ብራይን እታ ብኹናት ዝባደበት የመን ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዋ አሎ ኢሎም።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብአዊ ጉዳያት ስቲቨን ኦ ብራይን ትማሊ ሶኑይ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ልዕሊ ክልተ ሚልዮን የመናዊያን ዝተመጣጠነ መግቢ ከምዘይረኽቡ ካብዚኦም ድማ እቶም 370,000 ህጻናት ብኸቢድ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ምህላዎም ሓቢሮም።

ኣብ የመን ዝሓለፈ ዓመት ኹናት ካብ ዝጅምር ዋጋ መግቢ 20 ሚእታዊት ምውሳኹ፡ በተወሳኺ 90 ሚእታዊት ካብ አቕርቦት መግቢ እታ ሃገር ካብ ካልኦት ሃገራት አታዊ ዝኸውን ብምኻኑ ድሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወሰደ ምዕጻው ድማ እቲ ኩነታት ምግዳዱ ተገሊጹ’ሎ።

ብተወሳኺ ሚስተር ኦ ብራይን ብስዑዲ ዝምራሕ ሕብረት ኣብ የመን ደብዳብ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 10,000 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ብሰንኪ ስእነት እኹል ሕክምና ምሟቶም መብዛሕትኦም ድማ ብሰንኪ ሕጽረት አገልግሎት ክታበትን ስእነት ሕክምና ንከም ውጽአትን ነድሪ ሳንቡእ ዝአመስሉ ሕማማትን ምኻኖም ሓቢሮም።

ንሶም ብምቕጻል ሕማም ሸሮኽ ኣብታ ሃገር ክረአ ምጅማሩ ሕቡራት ሃገራት ምስ ናይ ትካላት ሰብአዊ ረድኤት መሻርኽቱ ብምዃን 21 ማእከላት ሕክምና ሕማም ሸሮኽ እንተኸፈተረ እኳ ነቲ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ተርእዮ እቲ ሕማም ግን ደው ከብሎ ከምዘይኽእል ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕቡራት ሃገራት ንየመን ኣብ ደረጃ ሰለስተ ህጹጽ ረድኤት ዘድልየን ሃገራት መዲቡ’ሎ። ኣብዚ መደብ ዝተመደባ ክልተ ካልኦት ሃገራት ሶርያን ዒራቕን ምኳን ይፍለጥ።

ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሁቱ ነቲ በዓለምለኸ ደረጃ አልፍጦ ዝረኸበ መንግስቲ ዓብዱ ራቡ መንሱር ሓዲ ኣብ መስከረም 2014 ዓ.ም ካብ ስልጣን ክዓልውዎ ምስ ፈተኑን ብስዑዲ ዝድገፍ ሕብረት ድማ ንመንግስቲ ሓዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ኣብታ ሃገር ዘመተ ደብዳብ ነፈርቲ ምስጀመረ ካብቲ ጊዜ ኣትሒዙ በኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ዜጋታት እታ ሃገር ምሟቶም፡ ምቁሳሎም ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ሚሊዮን ድማ ካብ መነባብሮኦም ምዝንባሎም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG