ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ንዝርኸቡ 93 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ ናይ 22.2 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ሕቡራት ሃገራት ኣብ 33 ሃገራት ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ንዝርኸቡ 93 ሚልዮን ሰባት ናይ ሕይወት ምድሓን ሓገዝ ንምሃብ ናይ 22.2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ምምዕባሉን ብሰንኪ እዚ 13.8 ሚልዮን ሰባት ምጥቕዖምን እዚ ሓደጋ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ማዳጋስካር፡ማላዊን ዝምባብወን ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ይረአይ ምህላው ተገሊጹ።

ሃገራት ዓለም ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝዓበየ ናይ ሰብኣዊነት ቅልውላው የጋጥመን ምህላው ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ልዕሊ 128 ሚልዮን ሰባት ብሰንኺ ግጭት፡ካብ መነባብሮ ምዝንባል፡ ባህራዊ ሓደጋ ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ ይብል።

ስለዚ ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርኸቡ 93 ሚልዮን ሰባት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምሃብ ዝድልይ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምርኻብ ይግባይ ይብል ኣሎ። ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጠቅላላ ጸሓፊ ንጉዳያት ሰብኣዊነት ስቲቨን ኦብራይን እዚ ናይ 22.2 ሚልዮን ዶላር ይግባን ኣብ ህይወት በኣስርተታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዓብይ ለውጢ ዘምጽእ እዩ ይብል።

“እዚ ገንዘብ ሓደጋ ጥሜትን ንዘንጸላልዎም ዘሎ ሃገራት ቀላያት ቻድ፡ ደቡብ ሱዳን ናይ መግቢ ሓገዝ ንምዕዳል ዝውዕል እዩ። ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን የመንን ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርኸቡ ሰባት ጸግዒ ንምሃብ ዝውዕል እዩ። ብተወሳኺ ብሰንኺ ለውጢ ክሊማ ኤል ኒኖ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክረኽቡ ዘይኸአሉ ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርቲ ክረኽቡ ዝውዕል እዩ።”

ብዝተሓሓዘ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 14 ሚልዮን ነበርቲ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ቀውዒ ዘለዋ አዋርሕ አስጋኢ ምዃነን እዚ ድማ ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኤል ኒኖ ብዘስዓቦ ትሑት እቶት ዝሓለፈ ዓመት ምኻኑን ካብ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ሓደጋ ጥምየት የንጸላልው ምህላው የረድእ።

አተሓባባሪ ለውጢ ክሊማ ኤልኒኖ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብአዊ ጉዳያት ኣብ ደቡባዊ አፍሪቃ ቲሞ ፓካላ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

“ ጽልዋ ለውጢ ክሊማ ኤልኒኖ ሕጂ ብግልጺ ይረኣይ አሎ ምክንያቱ እቶት ዓመተ 2016 በጣዕሚ ውሑድ እዩ ኔሩ። ሕጂ ድማ ኣብቲ ሓረስቶት ኣብ ሓገዝ ጥራይ ዝውኸልሉ ኣዋርሕ ኢና ዘለና። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝቕጽል ቐውዒ ኣብ ወርሒ መጋቢት/ ሚያዝያ’ዩ ዝጅምር። ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት እቲ ኩነታት የተሓሳስቦም ኣሎ።”

እቲ ሕጽረት መግቢ ምስ ምውሳኽ ዋጋ ካልኦት ሓለኽቲ ነገራትን ዘይንጡፍ ኢኮኖሚ ሃገራት እቲ ዞባን ድማ መንግስታት መግቢ ከየእትው ዕንቅፋት ኮይንዎም ኣሎ።

ብተወሳኺ ደርቂ ንኩነታት መግቢ ጥራይ ኣይኮነን ዝጸልው ኣብ ማላዊ ጥራይ ኣስታት 137,000 ህጻናት ካብ ቤት ትምህርቲ ክወጹ ተገዲዶም እዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ኣብ የመን፡ደቡብ ሱዳንን ናይጀርያን ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘልድየን ሃገራት ኮይነን ዝበዝሓ ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ዝረአዩለን ሃገራት እውን እየን። ካብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝተሰደዱ 1.2 ሚልዮን ሰባት 80 ሚእታዊት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምኻኖም እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየ ፍልሰት ምኻኑ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

XS
SM
MD
LG