ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሎሚ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ውዒሉ። ዞባዊ ውጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ኣድመጽቲ ፕረዚደንቶም ክመርጹ ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ ሶማሊላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ዝሰዓረ ይስዓር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ጽቡቕ ምሕዝነት ክህሉ ይምነዩ።
ወፍሪ ጎስጓስ ምርጫ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ትማሊ ሰንበት ብወግዒ ተዛዚሙ’ሎ። ሰለስቲኦም ሰልፍታት ኣብ ምልእቲ’ታ ሃገር ወፍሪ ምርጫ ዘካይድሉ ሓደ መዓልቲ’ዩ ኔርዎም። ብመሰረት ወግዓዊ ከይዲ ምርጫ ሶማሊላንድ ክልተ መዓልታት ቅድሚ’ቲ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ወፍሪ ምርጫ ኾነ ኣኼባታት ምክያድ ኣይከኣልን። ኣብዚ ምርጫ ኣብ ስልጣን ንዘለዉ ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ፓርቲኦምን ዝብድህዎም ሕፁያት ክልተ ሰልፍታት'ዮም።
መራሕቲ በበይነ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣጋ-ንግሆ ምምራጹ ንዘመስከረ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ድጋፍን ኣብቲ ዞባ ክመጽእ ንዝኽእል ጽምዶን ንኢዶም። እቶም ድሮ ናይ ዮሃና መልእኽቶም ገሊጾም ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንሓድሽ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ጽቡቕ ምንዮቶም ብምግላጽ፡ ሃገራቶም ምስ ምምሕዳሩ ብሰናይ ድሌት ክሰርሓ ዘለወን ድሌት’ውን ጠቒሶም።