ዳዕወለይ ኣብ ዝተህለት ከተማ ክልል ሶማሌ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ቀቢላታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተወልዐ ጎንጺ ክሳብ ልዕሊ 100 ዝበጽሑ ዜጋታት ምማቶም ምንጭታት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ ኣለዉ።
ዳዕወለይ ናብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ እተዳውብ ናይ ኢትዮጵያ ከተማ ኰይና፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ክልተ ቀቢላታት ብዝተወልዐ ግጭት ምጅማሩ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ምንጭታት ሓቢሮም።
ቀዳማይ እብረ እቲ ግጭት ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕን ዓርቢን ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ካብ ክልተኡ ወገናት ክቕተሉ እንከለዉ፡ እቲ ዝበርትዐ ግን ትማሊ ረቡዕ 25 ታሕሳስ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ግጭት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ሓንቲ ካብተን ቀቢላታት ክሳብ ሶማሊላንድ እትዝርጋሕ ብምዃና ካብታ ርእሰ-ምምሕዳር ተሪር ኩነኔ ኣስዒቡ ኣሎ።
ምምሕዳር ሶማሊላንድ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊያ ንሲቪላውያን ዜጋታት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ይኸስስ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማሊላንድ፡ መንግስቱ ነቲ ጥርዓን ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘቕረቦ ገሊጹ ኣሎ።
ኤድና ኣደን እስማዒል ፍልይቲ ልእኽቲ ፕረዚድነት ሶማሊላንድ ኣብ ጉዳያት ሰላም’ያ። ኣብቲ ግጭት ዓሰርታት ምቕታሎም’ያ ኣብቲ ብወግዓውያን መራኸቢታት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተዘርግሐ መግለጺ ተዛሪባ፤ “ሶማሊላንድ ብሓፈሻ 151 ሰባት ተጎዲኦማ። ካብኣቶም 59 ዝሞቱ’ዮም። ካልኦት ግን ገና ኩነታቶም’ውን ከነረጋግጾ ኣይከኣልናን። ሕጂ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሎኒ ምሕጽንታ፡ እዞም ድሮ ኣሽሓት በጺሖም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ሓገዝን መጽለሊን ከድልዮም’ዩ። ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ድጋፍ የድልዮም። ምሕጽንታይ ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀልን’ዩ። ሶማሊላንድ በይና ነዚ ጉዳይ ክትጸሮ ስለ ዘይትኽእል ናይ ዓለማዊ ማሕበራት ሓገዝ የድሊ።”
ሰብ-መዚ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ንሰብ-መዚ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብቐጥታ ኣይከሰሱን። እንተዀነ ካብኡ ሰጊሮም ብዝመጽኡ ዜጋታት መጥቃዕቲ ከም ዝወርዶም ገሊጾም።
ብመሰረት ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ፈይስቡክ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ክልል ሶማሌ፡ ካብ ሶማሊላንድ ብዝመጽኡ ዕጡቓት ጓሶት ኣብ ቀረባ እዋን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ከሲሱ ኣሎ።
መግለጺ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል፡ እቶም ዕጡቓት ዝበሎም ሚሊሻ ኣብ ልዕሊ’ቶም ክከላኸሉ ዝወፈሩ ሓይሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ይኸስስ።
ደጊሙ ነቲ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ከረጋግእ ክጽዕር ምዃኑ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ክልል፡ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ጉዳያት ጎረቤት ምትእትታው ካብ ምግባር ክቝጠብ ጸዊዑ። ክልል ሶማሌ ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ዝወረደ ብዝሒ ክሳራ ኣሃዝ ኣይሃበን። ካብ ክልቲኡ ዝተዋጽኡ ሰብ-መዚ ግን ነዚ ጉዳይ ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ጂጂጋ ክራኸቡ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።
ቅጥዒ