ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቓዲሾ በጺሑ ተመሊሱ፡ ዝተበጽሐ ዓቢ ስምምዕ ግን የለን


ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓዪሻ መሓመድ - ፋይል
ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓዪሻ መሓመድ - ፋይል

ብሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓዪሻ መሓመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ንመቓዲሾ ብምጕዓዝ ምስ ሶማላwiያን መዛንኡ ተራኺቡ። ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ መስጋኑ ኣረጋን ካልኦት ሰብ-መዚ ጸጥታን ምክልኻልን ይርከቡዎም።

ብወገን መንግስቲ ሶማሊያ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ብሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዓብደሉቃድር መሓመድ ኑርን ስቴት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማሊያ ዓሊ ዑመርን ዝምራሕ ጉጅለ’ዩ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዘካፈሉ ሰብ-መዚ ሶማሊያ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልተኣን ሃገራት እምነት ንምሕያልን ንሓባራዊ ስራሕ ድማ ባይታ ዘጣጥሕን ምዃኑ ነጊሮም።

መገሻ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ፡ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ባሕቲ ጥሪ ብወግዒ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ።

ምስ ሰራዊት ኣትሚስ ዝጸንሑ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ተልእኾኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን፡ ክልተኦም ወገናት እንኮላይ ንተራን ኣበርክቶን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ተልእኾ ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ካብ መንጎ’ቶም ተሳተፍቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾ ክህሉዉ እንተዀይኖም ኣብቲ ነዊሕ እዋን ዝጸንሑዎ ዘይኰኑስ ኣብ ካልእ መንግስቲ ዝመረጾ ስፍራ ክግዕዙ ከም እትደሊ ኣብቲ ርክብ ተገሊጹ።

ከም ሓበሬታ እቶም ላዕለዎት ሰብ-መዚ፡ ኣብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸንሑሉ ስፍራ ናብ ካልእ ምግዓዝ ዝህሉዎ ብድሆታት ጠቒሶም።

ክልተኦም ኣካላት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዘራረቡ ወሲኖም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ ልኡኽ ድማ ሎሚ ሓሙስ ኣማስይኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምስማዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይቀንዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG