ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠዪብ ኤርዶዋን፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ ንኽልቲኦም መራሕቲ ናብ ኣንካራ ጸዊዑ የዘራረብ ከም ዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽእ ሓበሬታ የርድእ። ፕረዚደንት ኤርዶዋን ትማሊ ሰሉስ ናብ ኣንካራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድን ሎሚ ረቡዕ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ብተናጸል ረኺቡ የዘራርብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም እቲ ርክብ ብዛዕባ ዝህሉዎ ትሕዝትፕ ጠቒሶም ኣለዉ። ዝርዝር ግን ኣይሃቡን።
ቅድሚ ሎሚ ንኽልተ ዙርያታት ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ዘተ-ሰላም ኣንካራ ውጽኢት ኣይሃበን። ሳልሳይ ዙር’ውን ተሰጋጊሩ’ዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ’ውን ምስ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ብምዃን ንኽልቲኦም ኣካላት ንምሽምጋል ዘለዎ ቅሩብነት ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪኡ ከመይ ከም ዝቐጸለ ግን ኣይነጸረን።
ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኣዝዩ ከም ዘንቆልቆለ ይዝከር።
ቅጥዒ