ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ -- ምብጻሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ንመቓዲሾ እንታይ ኮን ይልውጥ?


 ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ- ፋይል
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ- ፋይል

ብሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓዪሻ መሓመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መቓዲሾ ኣትዩ፡ ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ሶማልያ ብምዝርራብ ንጉዳይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ሓደ መፍትሒ ከምጽእ ትጽቢት ይግበር። ዑደት ላዕለዋይ ጉጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓድሽ ተልእኾ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ብዘይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ፡ ሓገዝ ንተልእኾ ምርግጋእ ሶማሊያ ወይ ድማ ብናይ እንግሊዘኛ ኣሕጽሮ ቃላት ኣውሶም ዝተሰመየ፡ ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ዝጅምር ዘሎ መደብ፡ ካብ መንጎ’ቲ ናይ ቅድሚኡ እዋን ፍልልያቱ፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይሓወሰ ምዃኑ’ዩ። ሓላፊ እቲ ተልእኾ መሓመድ ኢል-ኣሚን ሱየፍ ከም ዝብሎ፡ “እዚ ሓድሽ መደብ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ መደባት ዝተራእዩ ብልጫታት ወሲዱ ንሶማሊያ ናብ ምርግጋእን ሰላምን ክመርሕ ዝኽእል” ይብል ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺኡ።

ከም መግለጺ ኣቦ-መንበሩ ተልእኾ ኣውሶም ትማሊ ረቡዕ ባሕቲ ጥሪ’ዩ ብወግዒ ጀሚሩ ዘሎ። እቲ ሓድሽ ተልእኾ ምስ ሰራዊት ጸጥታ ሶማሊያ ክተሓባበር ምዃኑ’ዩ መሓመድ ኢል-ኣሚን ሱየፍ ይሕብር።

ተንታትኒት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነት ሰሚራ ጋይድ ግን እቲ ሓድሽ ተልእኾ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብኣትሚስ ዝፍለጥ መደብ ዝፍለ ከም ዘይህሉዎ’ያ እትኣምን። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾ ዝሳተፉ ወታሃደራት ውሒዶም እቲ መዋፈሪ መዓስከራት’ውን ብተመሳሳሊ ከም ዝንእስ ትነግር።

“ኣብ ባይታ ተልእኾ ኣውሶም ካብቲ ናይ ኣትሚስ ብዙሕ ዝፍለ ኣይክህሉዎን’ዩ። ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክንእሱ ንዕዘብ ኣሎና። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝተናውሐ’ውን ኣብ ነፍሰ-ምክልኻል ጥራይ’ዮም ኣትዮም--ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት። ስለዚ ምስቲ ሕጂ መሊሱ ዝንእስ ዘሎ መዋፈሪ ንቑጣታት፡ እቲ ውጽኢት’ውን ማዕረኡ ንእሽቶ’ዩ ክኸውን ኢለ እግምት።”

ኣውሶም ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፈለማ ን12 ኣዋርሕ ዕድመ ክህሉዎ ዝጸደቐ ተልእኾ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከሉ 12,626 ወታሃደራት ኣብቲ ተልእኾ ክሳተፉ ኣፍቂዱ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ’ውን ኣካል’ቲ ተልእኾ ምዃኖም’ዮም። ቀዳማይ እብረ እዚ ተልእኾ ንሰነ 2025 ዝውዳእ’ዩ።

ኣበርክቶን ተሳትፎን ኢትዮጵያ ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾ ዛጊት የሎን። ገለ ሰብ-መዚ ሶማሊያ ግን ነቲ ሓሳብ ክፉታት ከም ዝኾኑ ጠቒሶም ኣለዉ። እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ኣፈናዊ ስምምዕ ምዃኑ’ዩ።

ንምዃኑ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾ ሰራዊት ክትሕውስ ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ይመስል? ተንታትኒት ሰሚራ ትምልስ።


“ቅድሚ ወርሒ እንተ ዝነበር ፍጹም ተኽእሎ የሎን ምበልኩ። ድሒሩ ዝመጽእ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ መንገዲ ዘጣጥሕ’ዩ ዝመስል ዘሎ። ብቴክኒካዊ መንገዲ ክንርእዮ እንከለና፡ ሶማሊያ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክትቅበል ትኽእል’ያ። እዚ ግን ዓቢ ፖለቲካዊ ዋጋ ዘኽፍል ክኸውን’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ህዝባዊ ርእይቶ ነዚ ዝድግፍ ኣይመስልን።”

ሶማሊያ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስቴት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዳ ነይራ። እዚ ምብጻሕ ግን መሰረታዊ ለውጢ ዝመጽእ መሲሉ ኣይስምዓን -- ንተንታትኒ ሰሚራ ጋይድ። ድሕሪ’ቲ ምብጻሕ’ውን እንተዀነ ኣብ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሶማሊያ ዘሎ ኣረኣእያ ከም ዘይተቐየረ ከኣ ትነግር።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ 2012 ኣትሒዞም ኣካል’ቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምራሕ ልኡኽ ዓቃብ-ሰላም ኰይኖም ኣብ ሶማሊያ ጸኒሖም’ዮም። ብዘይካቲ ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተልእኾ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ብዝተበጽሐ ስምምዕ’ውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG