ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህላዊ ሕጊ ብሄረሰብ ዒሳ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ: ጅቡትን ሶማልያን ዝነብሩ ብሄረሰብ ዒሳ ንዘመናት ዝተጠቐመሉ ኣፋዊ ባህላዊ ሕጊ፡ ዓለማዊ ቅርሲ ኮይኑ ክምዝገብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሳይንስ ትምህርትን ባህልን(ዩኔስኮ) ኣፍሊጡ።

“ሄር ዒሴ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ባህሊ፡ ብወግዒ ዝተዋደደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምምሕዳር ምዃኑ ይንገረሉ።

እቲ ሰለስተ መሰረታዊ መሓውራት ዘለውዎ ባህላዊ ስርዓተ ሕጊ፡ ስልጣንን መምርሕታትን ዝውስን ኮይኑ ዕርቅን ኣብ ፍትሕን ዘተኮሩ ሕግታትን፡ ከምኡ`ውን ማሕበራዊን ውልቃዊን ስነ-ስርዓታት ብዝርዝር የውጽእን የመሓድርን።

እዚ ብዩኔስኮ ኣፍልጦ ዝረክብ ዘሎ ባህላዊ ሕግታት ብሄረሰብ ዒሳ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበረሰብን ከምኡ`ውን ምስ ካልኦት ሕብረተሰባት ብሰላም ሓቢርካ ንምንባርን ኣገዳሲ ተራ ከም ዝጻወት ይንገረሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG