ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጻውዒት ሰላም ቀ/ሚኒስተር ኣቢይን ክመጽእ ዝኽእል ለውጢን? - ትንታነ


ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓሙሻይ ዓመት ምስረታ ሰልፊ ብልጽግና
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓሙሻይ ዓመት ምስረታ ሰልፊ ብልጽግና

ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ፡ ብሕልፊ ድማ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ሰፋሕቲ ግጭታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዕጡቓት ናብ መኣዲ ሰላም ክመጽኡ ጸዊዑ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቶም ዝቃለሱ ዘለዉ ግን ጻውዒት መንግስቲ ቅንዕና ዘለዎ ኣይኰነን ይብሉ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዝተወልዐ ሰንሰለታዊ ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣበየ-ኩርናዕ እታ ሃገር ቅትለት፡ መጭወይቲ፡ ደብዳባት ድሮናት፡ ንሲቪላዊ ዒላማ ዘነጻጸረ መጥቃዕታት ይጋፋሕ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ብምኽንያት ሓሙሻይ ዓመት ምስረታ ሰልፊ ብልጽግና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ተዋጋእቲ ናብ ባይታ ዘተ ንኽኣትዉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

''ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝጠቐስኩዎ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝርከቡ ተቓለስቲ ኣሕዋት፡ ዋላ ንሓደ ሽሕ ዓመት’ውን እንተ ተዋጋኡ ክስዕሩና ኣይኰኑን። ስለዚ ንሓደ ሽሕ ዓመት’ውን ቃልሶም እንተቐጺሎም ዘምጽኡዎ ለውጢ ኣይክህሉን’ዩ። ስለዚ ከኣ’የ ናብ ጠረጴዛ ቀሪቦም ጉዳዮም ብዘተን ሰላምን ክፈትሑ ዝጽውዕ።”

ሰዓታት ድሕሪ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ምስ ገለ ዝተፈንጨሉ ኣካላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ሰላም ስምምዕ ፈሪሙ። ጃል ሰኚ ነጋሳ ካብቲ ጃል ማሮ ዝመርሖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተፈልየ ዕጡቕ ጉጅለ’ዩ። እንተዀነ ነቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ እቲ ብጃል ማሮ ዝምርሕ ኣሃዱ ነቒፉዎን ኣባጭይሉን’ዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንህዝባዊ ሚሊሻ ፋኖ ከም ዝመርሕ ዝነግር እስንክድር ነጋ’ውን ብዛዕባ ተበግሶ ሰላም መንግስቲ ዕቃበታቱ ኣይሓብአን።

“እቲ ጸገም መንግስቲ ብቕኑዕ ልቢ ነቲ ግጭታት ክፈትሖ ስለ ዘይደሊ’ዩ። ንሳቶም ኣብ ወታሃደራዊ ሓይሊ’ዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ገና ሓሳባቶም ከይቀየሩን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብግቡእ ተረዲኦም ማዕረኡ መፍትሒ ክሳብ ዘየምጽኡን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ዘሎ ኣይመስለንን። ንሱ ክሳብ ዝኸውን እምበኣር ዘላቒ መፍትሒ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።”

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን መንግስቲ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድሮንን ኣልማማ መቕተልቲ ሲቪላውያን ዜጋታትን ከም ዝገብር ነበርቲ ይገልጹ። ካብ መንጎ ብመንግስቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝግበር መጥቃዕቲ ንኣባይተ-ትምህርቲን ኣብያተ-ጸሎትን ከም ዘጥቓልል’ዩ ይብሉ።

ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ’ዚ ቀጻሊ ኣዛራቢ ጉዳይ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገብሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይቀንዐን።

እስክንድር ነጋ ግን መንግስቲ ኮነ ኢሉ እንኮላይ ንኣብያተ-ትምህርቲን ህጻናትን ከም ዘጥቅዕ’ዩ ዝኸስስ።

ከም ኣገልግላጻ እስክንድር ነጋ፡ ወለዲ ንደቆም ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክልእኩ ውሕስነት የብሎምን። ናጻ ኣካል ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ክግበር’ውን ይጽውዕ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀረባ ግዜ ብምኽንያት ካልኣይ ዓመት ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ስልኪ ዝርርብ ኣካዪዱ ነይሩ። ኣብ እዋኑ፡ ብሊንክን ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ጎንጺ ኣመሪካ ዘለዋ ሻቕሎት ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዘካፈሎ ተገሊጹ’ዩ’።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም፡ ንድሕነቶም መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ተንተንቲ እቶም ተቓለስቲ መንግስቲ ክግልብጡ ምሉእ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ይጠቅስ። እንተዀነ፡ መንግስቲ’ውን ዕረፍቲ ክረክብ ስለ ዘይክኣለ ውዒሉ-ሓዲሩ ምስኣቶም ምዝርራብ ጥራይ ከም ዘክልልዋጽኦ እቲ ተንታኒ ይሕብር። ከም ኣገልግላጻ እቲ ተንታኒ፡ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቶም ዘሐይልሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት ድሒሩ ኣብ ዝግበር ዝርርብ ዝለዓለ ኢድ ክሕዙ ንምዃን ይግምት።

ይሕጸር ይንዋሕ ግን ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብዘይካ ብዘተ ካልእ መፍትሒ ከም ከም ዘየሎ’ዮም እቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወገናት ይግለጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG