ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ጃልባ ማድጋስካር ሶማላዊያን -- ብኣንደበት መለስቲ ኣውያት


 ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ናብ ሶማልያ ኣብ ዝተመልስሉ
ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ናብ ሶማልያ ኣብ ዝተመልስሉ

ብድምር 75 ስደተኛታት ዝሓዛ ክልተ ጃላቡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞ: ዝሓለፈ ሕዳር 11 ምሸት ብርሑቕ ሓደ መብራህትን ሓደ ኩርባን ክርእያ ክኢለን።

ድምጺ መቕሪብ ማለት ጸሎት ምሸት'ውን ይሰምዓ ኔረን። ዕላማአን ናብ ማዮት እዩ። እቲ መራሒ ነቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ እንተ ኣረጋገጾ`ኳ ሻቕሎት ኔርዎ።

ሉል ዖስማን መሓመድ ካብ መንጎ`ቶም ናብ ማዮት ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሶማልያውያን ክትከውን ከላ፡ እቶም ተሳፈርቲ ክልቲአን ጃላቡ ኣብቲ ባሕሪ ሓዲሮም ንጽባሒቱ ናብታ ደሴት ክኣትዉ ከም ዝተነግሮም ትገልጽ። “እቲ መራሒ ጃልባ ምስቲ ነቲ ጕዕዞ ዝወደበ ሰብ እዩ ተሰማሚዑ። ኣብ ክልቲአን ጃላቡ ኣብ ሓንቲ 20 ኣብታ ካልኣይቲ 40 ክህልዉ እዩ እቲ ስምምዕ፡ ሕጂ ግን 75 ሰባት ኢኹም ዘለኹም፡ ዝተዋህበኒ ገንዘብ እኹል ኣይኮነን፡ ስለዚ እዛ ጃልባ እንተ ተገልቢጣ ኣይሕተትን እየ ኢሉና፡" ትብል።

እቶም ነተን ጀላቡ ዝመርሑ ንሳቶም'ውን ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት`ዮም። ካብ ከባቢ ሞምባሳ ንኣእሽቱ ጃላቡ ሒዞም መጽዮም ኣብታ ቀንዲ ትብሃል ዕብይ ዝበለት ጃልባ ይሳፈሩ። ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ተስፋ ጌሮም ናብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትርከብ ማዮት ትብሃል ደሴት ከምርሑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ስስዐ በዚሑ ግን ካብቶም ስደተኛታት ተወሳኺ ገንዘብ ይሕተት። ሉል ዖስማን ትቕጽል፤ “እቲ መራሒ ጃልባ ነቲ ሞተር ጃልባ ወሊዑ፡ ሓሳብ ዘወርወር ይብል`ሞ የጥፍኣ። ሓንሳብ ናብ ባሕሪ ሓንሳብ ናብ ገምገም መሬት የሽከርክራ። ድሕሪ ተደጋጋሚ ምምልላስ ግን፡ ሞተር`ታ ጃልባ ተበላሽዩ ኢሉና።"

እቶም ኣሰጋገርቲ ነታ ጃልባ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ወሲዶም በብሓደ ኣብኡ ገዲፎሞም ከይዶም። ድሕሪኡ እቶም ኣሰጋገርቲ ምስ ከዱ እቶም ስደተኛታት ነተን ጀላቡ ብምምላስ ነብሶም ክድሕኑ ፈቲኖም። ኣናስ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ስደተኛታት`ዩ።

“ነተን ክልተ ጀላቡ ነንሕድሕደን ኣሲርና ሰለስተ መዓልታት ተጸቢና ደኺምና። እቶም ክንሕንብስ ንኽእል ናብተን ደቀንስትዮ ከይድና ክነድሕነን ፈቲና።ሰብኡት ናብ ማይ ኣትዮም፡ ደቀንስትዮ ድማ ይጉተታ ኔረን። ሽዱሽተ ክሕንብሱ ዝኽእሉ ናብታ ሓንቲ ጃልባ ኣትዮም። ኣነ ደኺሙኒ ሓይለይ ወዲአ፡ እታ ጃልባ`ውን ክጥሕል ደልያ።"

እቶም 75 ስደተኛታት ገሊኦም ኣብ ዝተሰብረት ጃልባ ኮይኖም ብዘይ መግብን ማይን ብዘይ መሐበሪ መሳርሕን ኣብ ባሕሪ ክንሳፈፉ ቀንዮም።

ኣብ መንጉኡ ቀዳማይ ሞት ኣጋጢሙ። ሓደ ሽኮርያ ዝነበረቶ መንእሰይ ክመውት ክኢሉ። ድሕሪ 10 መዓልታት ካልኣይ ሞት ኣጋጠመ። ሉል ዖስማን ነታ ዝሞተት ፋጥማ ትብሃል ትፈልጣ`ያ።

“ንኽልተ መዓልታት ተረቢሻ እያ ኔራ። ነቲ ሬሳ`ውን ንክልተ ተወሳኺ መዓልታት ሒዝናዮ። ሓዋ ከይትድርብዩዋ ኢሉና። እቲ ሬሳ ፈሳሲ ከውጽእ ምስ ጀመረ ግን ደርቢናዮ።"

ድሕሪኡ ድማ ሓደ ወዲ ክልተ ዓመት ቆልዓ ሞይቱ።

“ጸባ ምስ ናይ ባሕሪ ማይ ምስ ሓወስናዮ ምጥባው ኣብዩና። ክጠብዋ ከሎ፡ንሳ`ውን ውነኣ ኣጥፊኣ። ስለ ዘይበለዐት ክተተንፍስ ይጽግማ ኔሩ። ድሕሪኡ ነቲ ጸባ ምስ ናታ ሽንቲን ናቱ ሽንትን ክንሕውሶ ጀሚርና። ንክልተ መዓልታት ኣጽኒሕዎ" ትብል ሉል። ድሕሪ መዓልታት ድማ ኣዲኡ`ውን ሞይታ።

ካብታ ቀዳመይቲ ጃልባ 17 ሰባት ሞይቶም፡ 14 ካብኣተን ደቀንስትዮ`የን። ኣብታ ካለአይቲ ድማ 10 ሞይቶም። ሓደ ቆልዓ ናብቲ ባሕሪ ምስ ዘለለ ኣይተመልሰን።

ሉል መሓመድ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ዓሳ ትገፍፍ ጃልባ ርእያቶም ቀረበቶም ድማ። ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ገንዘብ ኣውጺኡ ብምሃብ ከድሕንዎም ሓቲትዎም። ኣብ መጀመርያ ገጾም ገልቢጦም ከይዶም ድሓር ግን ተመሊሶምና ትብል ።

“ድሓር ግን ተመሊሶም መጽዮም። ኣብታ ጃልባ ዝነበረ ሬሳታት ረኣይዎ። ሰንቢዶም ማይ፡ በረድን ፍሩታን ሂቦምና፡" ኣናስ ቅድሚ ምድሓኖም ዝነበረ ግዜ ይዝክር።

መጨረሽታ ሰለስተ መዓልታት ኩሉ ሓይሉ ወዲኡ። ኩነታት ተቐያይሩ ከም ዝነበረ ይዝክር። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ገመድ ደርብዮም ከም ዘድሓንዎም ድማ ይዝክር።

ድሕሪኡ ናብ ሰበ-ስልጣን ማዳካስካር ተረኪቦም።

ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ነቶም ዝተረፉ 47 ሰባት ዝሓለፈ ቀዳም ልክዕ ድሕሪ ወርሒ ካብ ናይ ኬንያ ሞምባሳ ናብ ማዮት ካብ ዝብገሱ ናብ ሞቓዲሾ መሊሶሞም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG