ብሞት ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ንኩባ ዝመርሑ ፊደል ካስትሮ ኣፍሪቃዊያን ሓዘኖምን ናእድኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩባን ፊደል ካስትሮን ዘይሓወሰ ታሪኽ ኣፍሪቃ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብትኽክል ክፅሓፍ ኣይክኣልን ክብል ከሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ እዋን እንከላ ፊደል ካስትሮ ንኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝ እናተዘከረ ዝነብር እዩ ኢሎም።
ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 10 ነባራትን 12 ሓደሽትን ዝሓቖፈ ካብኔ ብምሻም ተዛዚሙ።ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ምኽትሎም ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለምን ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉ እዮም።
መበል 31 ሓባራዊ ኣኼባ ኣመሓደርትን ኮሚሽነራትን ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከተማ ሞምባሳ ሎሚ ረቡዕ ተኻይዱ።ካብ ሚኒስትር ወፃኢ፣ምምሕዳር ውሽጢ ሃገር፣ሕርሻን ዝኣመሰሉ ኣካላት መንግስቲ ከምኡ’ውን ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣካላት ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ምንባሩ ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፈት ፍልጥቲ ፀላም ኣሜሪካዊት ጋዜጠኛ ጉዌን ኣይፊል ብሞያኣ ዝለዓለ ኣድናቖትን ተፈላጥነት ዝረኸበት ኣፍሪካዊት ኣሜሪካዊት ጋዜጠኛ ጉዌን ኣይፈል ኣብ መበል 61 ዓመታ ብሕማም ናይ ማህፀን ካንሰር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።ጋዜጠኛ ጉዌን ኣይፊል ፀለምቲ ኣሜሪካዊያን ብኣፃብዕቲ ይቑፀሩ ኣብዝነበርሉ እዋን ኣብ ዓበይቲ መራኸቢ ማዕኸናት ኣሜሪካ ትሰርሖም ብዝነበረት ሽማ ዘመዝገበት ኣብነታዊ ጋዜጠኛ ከምዝነበረት መሰራሕታን ካልኦትን ይምስክሩላ።
መበል 16 ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ክኻየድ’ዩ። ኣብቲ ጉያ አስታት 42 ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉ ኣዳለወቲ ኣፍሊጦም።ኣብታ ሃገር ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክንዲ ዝኸውን ህዝቢ ዝሳተፍሉ ኣጋጣሚ እዚ ናይ መጀመርያ ክኸውን እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተፈሊጡ። ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብገዛኢ ፓርቲ ዝተወስደ ጭቡጥ ስጉምቲ የለን፤የግዳስ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ኮንሶ ጥራሕ ልዕሊ 500 ሰባት ኣብ ጋምጎፋ ድማ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ተኣሲሮምና ክብሎ መራሕቲ መድረኽ ምግላጾም ይፍለጥ።
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ኣባላት ካብኒኦም ይመርፁ ኣብዘለውሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ኣባላት ከይዲ ምስግጋር ስልጣን ምስሕሓብ ኣሎ ንዝብል ሪፖርት ‘’ኣዚዩ ዝተወደበ መስርሕ’’ ይካይድ ኣሎ ክብሉ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም ነፂጎምዎ።
ፕረዝዳንት ባራክ ኦባማ ፕረዝዳንት ኮይኖም ምስ ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ‘’ኣዚዩ ፅቡቕን ‘’ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ዘተኮረን’’ ዝርርብ ኣካይድና ኢሎም።
ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ኣብ ዝኻየደሉ ቀንዲ ትኹረት ንፕረዝዳንታዊ ሕፁያትን ፕሮግራማቶምን ከምኡ እውን ንወፍሪ ምርጫን ይውሃብ።እቲ ምርጫ ክካየድ ኣዋርሕ ኣብ ዝተርፈሉ እዋን ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ፕረዝዳንታዊ ምስግጋር ብዝምልከት ገዚፍ ስራሓት ይዕመሙ።እቲ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ፣ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ መሓውራት ይካየድ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንኩባኒያታት ወፃኢ ኣጥቒዖም ሚሊዮናት ዶላር ዝፈሰሶም ኢንቨስትመንታት ተባሪዖምን ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሮም እዮም።እቲ ናዕቢ መንግስቲ ናይ ህፁፅ እዋን ክእውጅ ኣገዲዱዎ እዩ።ናብ ዞባ ኣርሲ ከተማ ዶኒ ከባቢ ዘሎ ሓደ ኩባኒያ ብሓገዝ ማሕበረሰብን ሽማግለታት ዓድን ከመይ ካብ መጥቓዕቲ ከምዝድሓነ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜርካ ይገልጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ህፁፅ ኣዋጅ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣስታት 2,000 ሰባት ከምዝተፈትሑ ተገሊፁ።ብመንግስቲ ዝውነን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እቶም እሱራት ካብ መንግስቲ ህንፀትን ምኽርን ምስተውሃቦም ከምዝተፈትሑ ፀብፂቡ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ምርጫ ምምሕያሽ በይኑ ዝተመሓየሸ ናይ ፓርትታት ውክልና ከምፅእ ከምዘይኽእል ናይ ፓን ኣፍሪካ ፓርላማ ናይ ክብሪ ምኽትል ፕሬዝዳንትን ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ተዛሪቦም።
ደቡብ ኣፍሪካን ብሩንዲን ካብ ኣባልነት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንምውፃእ ድልየት ከምዘለወን ዝገልፅ ደብዳቤ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ልኢኸን።ጋምቢያ እውን ደብዳቤ ክልእኽ እየ ኢላ’ላ።
ድሕሪ 10 መዓልታት ዝዛዘም ምምልካት ዲቪ ሎተሪ ኣመልከቲ እንተወሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወድኡ ክኾኑ አለዎም ክብሉ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።ኣመልከቲ ካብ መታለልትን ርእሶም ክከላኸሉ’ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።
ኣፍሪቃ ዕምቀት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ዝሓዘ ለውጢ ክተምፅእ ኣለዋ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ካርሎስ ሎፓዝ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪካ ቁጠባዊ ዕብየት እንተሃለወ’ዃ ቁጽሪ ኣብ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ግን ከምዘይጎደለ ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ገይሩ መሪፁዎም።ኣብ ኦሮሚያ ዝተኻየደ ምቅይያር ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ ክካየድ እውን ትፅቢት ኣሎ።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ምንካይ ድኽነት ዝተዓወታ ሃገራት ኣፍሪካ ሸውዓተ ጥራሕ ምዃነን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዝኾነ ሪፓርት ገሊፁ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ ምስ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ሰሜን ኣሜሪካ ብምትሕብባር ሎሚ ዓርቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብ መንጎ ሪፖብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕን ሕጽይቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክንሊተንን ትማሊ ምሸት ረቡዕ ኣብዝተኻየደ ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክትዕ ሪፓብሊካዊ ሕፁይ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ንውፅኢት ምርጫ ንምቕባል ቃል ኣይኣትውን ኢሎም።
ተወሳኺ ጽዓን