ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክትዕ ፕረዝደንታዊ ሕጹያት ኣሜሪካን ባጫ ኣፍሪቃዊያን ተንተንቲ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢታትን


ኣብ መንጎ ሪፖብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕን ሕጽይቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክንሊተንን ትማሊ ምሸት ረቡዕ ኣብዝተኻየደ ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክትዕ ሪፓብሊካዊ ሕፁይ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ንውፅኢት ምርጫ ንምቕባል ቃል ኣይኣትውን ኢሎም።

እቶም ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ሩሲያ፣ኢሚግሬሽንን ካልኦት ዛዕባታት ብርሱን ተኻቲዖም ኣለው።ኣፍሪካዊያን ፖለቲካዊ ተንተንቲ ነዚ መልሲ ሪፖብሊካን ሕጹይ ምስ ናይ ኣፍሪካ ምርጫ ብምምስሳል ብማህበራዊ መራኸቢ ቲዊተር የባጭውሉ ኣለው።

ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ንኻልኣይ ግዜ ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ መወዳእታ ክትዖም ናይ ኢድ ሰላምታ ኣይተለዋወጡን።

ዶናልድ ትራምፕ መስርሕ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ተጨበርቢሩ ክብሉ ብዛዕባ ዝሃብዎ ተደጋጋሚ ርእይቶ ነቲ ውፅኢት ክቕበሉዎ እንተኾይኖም ተሓቲቶም ነይሮም።

“ኣብ እዋኑ ክርእዮ እየ።ሕዚ ኣይሪኦን ዘለኹ።ኣብ እዋኑ ክርእዮ እየ።ዝርኣኹዎ ሕማቕ እዩ።ቅድሚ ኩሉ እቶም መሓውራት ዜና ኣይእመኑን እዮም።ንኣእምሮ ብዙሓት ኣድመፅቲ መሪዞም እዮም።”

ክሊንተን መልሲ ትራምፕ ዘፍርሕን ኣንፃር ፖለቲካዊ ባህሊ ዩናይትድ ስቴትስ ዘቕነዐን እዩ ኢለን።

“ንዴሞክራሲና የንእሶን የውርዶን እዩ ዘሎ፡ንዓይ ካብ ክልተ ቀንዲ ፓርትታት ናይ ሓዲኡ ወኪሉ ሕፁይ ዝኾነ ሰብ ከምዚ ዝበለ መርገፂ ክሕዝ ዘሰንብድ እዩ” ክብላ ሂላሪ ክሊንተን መሊሰን።

ኣብ ጉዳይ ሩሲያ፡ ኣንጻር ኣሜሪካ ዝዓለመ ናይ ኮምፒተር መጥቓዕቲ ኢድ ሩስያ እንተሃልዩ ክኹንንዎ እንተኾይኖም ዝተሓቱ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኹንንዎ ብምግላፅ ይኹን እምበር ቻይና ወይ ካልእ ፈፂሙዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ብትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮ ዝቐረበሎም ዘይስነምግባራዊ ተግባር ብዝምልኸት ዝቐረበሎም ክስታት እውን ትራምፕ ነፂጎምዎ ኣለው።


ሂላሪ ክሊንተን ብወገነን ብኣስታት ሸውዓተ ሚእታዊት ፀብለልታ ኣብ ዝመርሓሉ ዘለዋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣድመፅቲ ልዕሊ 30 ክፍለ ግዝኣታት ኣቐዲሞም ድምፆም ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ናይ ሎሚ ዘበን ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ኣደዳ ባጫ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኮይኑ’ሎ። ብዙሓት ጉድለት ምስ ዝዕብልሎ ፖለቲካዊ ውድድር ኣፍሪካ እናመሳሰሉ ንመስሓቒ ይጥቀምሉ ኣለው።ኣፍሪካዊያን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣሜሪካዊያን ፖለቲካ ከባጭዉ ልሙድ ኣይኮነን።

ፖለቲካዊ ተንታኒ ራያን ካሚንግስ ካብ ከተማ ኬፕ ታውን ደቡብ ኣፍሪካ ብዙሓት ኣማኢቲ ናይ ቲዊተር መልእኽትታት ንሪፖብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዝኾነ ይኹን ኣፍሪካዊ መራሒ ከወዳድር ዝተሓቲቱ ካሚንግስ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ትራምፕ ንመቐናቕንቶም ክትእሰር ኣለዋ ምባሎም ገለ ኣፍሪካዊያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣመሳሲሎምዎ ኣለው።እዚ ሜላ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ኣብ ዙምባቤ፣ዛምቢያ፣ኡጋንዳን ካልኦትን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝነበረ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ዝተጠቕምሉ ሜላ እዩ። ተጠቀምቲ ቲዊተር ከም ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ጃኮብ ዙማ ንትራምፕ ብፆታዊ ዓመፅ ይኸሱዎም ኣለው።

ፀሓፍቲ ቲዊተር ንትራምፕ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪካ ኣመሳሲሎምዎም ኣለው።ፆታዊ ወራር ምፍፃሞም ብጃህራ ምስ ዝዛረቡ ውልቀ መራሒ ጋምቢያ፣ኣብ ቀረባ ብዛዕባ በዓልቲ ቤቶም ዝሃብዎ ርእይቶ ብብዙሓት ሰባት ግን ከም ዝለዓለ ንዕቐት ዝተርኣየ ምስ ፕሬዝዳንት ናይጀሪያ፣ምርጫ ተጨበርቢሩ እዩ ኢሎም ምስ ዝኸሱ ብዙሓት ኣፍሪካዊያን ፖለቲከኛታት ብምውድዳር ተጠቀምቲ ቲዊተር ፅሒፎም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ድማ ሂላሪ ክሊንተን ጁብኦም ብገንዘብ ምስ ዝመልኡ ፖለቲካዊ ሓረግ ብዙሓት ኣፍሪካዊያን መራሕቲ ኣመሳሲሎምወን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG