ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ዕብየት እንተሎ’ኳ ቁጽሪ ኣብ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ግን ኣይጎደለን ተባሂሉ


ዋና ፀሓፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ካርሎስ ሎፓዝ
ዋና ፀሓፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ካርሎስ ሎፓዝ

ኣፍሪቃ ዕምቀት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ዝሓዘ ለውጢ ክተምፅእ ኣለዋ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ካርሎስ ሎፓዝ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪካ ቁጠባዊ ዕብየት እንተሃለወ’ዃ ቁጽሪ ኣብ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ግን ከምዘይጎደለ ገሊፆም።

ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዋና ፀሓፊነት ዘገልገሉ ካርሎስ ሎፓዝ ኣብ እዋን ስልጣን ዘመኖም ዝሐሸ ስራሕ ከምዝሰርሑ ይዝረበሎም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ
ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ

ንሶም ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ኣፍሪካ ቁጠባዊ ዕብየት እንተተመዝገበ እውን ዝበዝሓ ህዝቢ ክርባሕ እዚ ናይ ሕዚ ኣካይዳ ምዕባለ ክቕየር ከሎ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ መጠን ድኽነት ምቕናሱ ዝገልፁ ሓበሬታታት እንተሃለው እውን ብኣንፃሩ ግን ከም ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ኣብ 1990 ካብ ዝነበረ ቁፅሪ ኣብ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዝበዝሕ ይገልፁ።

ካርሎስ ሎፔዝ ቅድም ክብል ኮፊ ኣናን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣብዝነበርሉ እዋን ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ብምዃን ዘገልገሉ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።


XS
SM
MD
LG