ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ለማ መገርሳ ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕሬዝዳንት ብምዃን ተመሪጾም


ኣቶ ለማ መገርሳ
ኣቶ ለማ መገርሳ

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ገይሩ መሪፁዎም።ኣብ ኦሮሚያ ዝተኻየደ ምቅይያር ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ ክካየድ እውን ትፅቢት ኣሎ።

ኣቶ ለማ መገርሳ ንኣቶ ሙክታር ከዲር ብምትካእ ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕሬዝዳንት ኮይኖም ተመሪጾም ኣለው።

ኣቶ ለማ መገርሳ ኣቦ መንበር ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ውድብ/ኦህዴው/ ብምዃን ንኣቶ ሙክታር ከዲር ምትክኦም ይዝከር።

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ንኣቶ ዑመር ሁሴን ምኽትል ኣቦ መንበር ናይቲ ክልል ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ኣቶ እሸቱ ደሴ ድማ ኣፈጉባኤ ገይሩ መሪፁዎም ኣሎ።

እቲ ምቅይያር ኣብ ካቢኔ ፌደራል መንግስቲ’ውን ከምዝትግበር ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከምዚ ክብሉ ሓቢሮም።

“ኣብ ካቢኔ መንግስቲ ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ናይ ስልጣን ምቅይያር ክህልው እዩ።ቀዳማይ ሚኒስትር ምቅይያር ስልጣን ከምዘካይዱ ቃል ካብዝኣትው ፀኒሖም እዮም።ዕላማ እቲ ለውጢ ምልውዋጥ ውልቀሰባት ኣይኮነን።ናይቲ ሕብረትሰብ ረብሓ ንምምላእ ዝሰርሕ መንግስቲ ኣሎ።ንህዝቢ ዘየገልግሉን ዘይግባእ ረብሓ ኣብ ምእካብ ዝተዋፈሩ ሰበስልጣን መንግስቲ እንተድኣ ሓልዮም እቲ ስጉምቲ ዝምልከቶም እዮም ክኾኑ እዮም።”

ተቓወምቲ ግን ንሰበስልጣን ብምቅያይርን ጥራሕ ለውጢ ኣይምጽን ክብሉ ንስጉምቲ መንግስቲ ብጥርጣረ ይርእይዎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣቶ ለማ መገርሳ ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕሬዝዳንት ብምዃን ተመሪጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:38 0:00


XS
SM
MD
LG