ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ንመስርሕ ምስግጋር ስልጣን ዝተመርጸ ጉጅለ ምስሕሓብ ኣሎ ንዝብል ሪፖርት ይነጽጉ


ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ኣባላት ካብኒኦም ይመርፁ ኣብዘለውሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ኣባላት ከይዲ ምስግጋር ስልጣን ምስሕሓብ ኣሎ ንዝብል ሪፖርት ‘’ኣዚዩ ዝተወደበ መስርሕ’’ ይካይድ ኣሎ ክብሉ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም ነፂጎምዎ።

ዛጊት ጉጅለ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ይመርሑ ዝነበሩ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኒው ጀርሲ ክሪስ ክርስቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኮይኖም ብዝተመርፁ ማይክ ፔንስ ተኪኦም ኣለው።ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ትራምፕ ዝነበሩ ናይ ቀደም ኣባል ኮንግረስ ማይክ ሮጀርስ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ርእሶም ካብቲ መስርሕ ኣግሊሎም ኣለው።ትራምፕ ሓላፊ ስትራተጂስት ዋይት ሃውስ ገይሮም ዝሸሙዎም ሰብ ተቓውሞ ኣጋጢሞዎም ኣሎ።ሰለስተ ደቆምን ሰብኣይ ጓሎም ኣብቲ መስርሕ ይፃወቱዎ ብዘለው ተራ እውን ሕቶታት ይቐርብ ኣሎ።ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ የስምዕዎ ዝነበሩ መደረታት መጥቕዓታት ከፋፋላይን ነይሩ ዝብሉ ተራ ኣሜሪካዊያን እውን ተቓውምኦም ቀፂሉ’ሎ።

ተማሃሮ ዪኒቨርስቲ የል ሕጋዊ ሰነዳት ንዘይብሎም መማህርቶም ብምድጋፍ ትማሊ ረቡዕ ካብ ክፍልታት ትምህርቶም ረጊፆም ወፂኦም።ኣዳለውቲ ናይቲ ተቓውሞ ክባረሩ ዝኽእሉ ሰባት መዕቖቢ ክዳልወሎም ንኣብያት ትምህርቶም ይፅውዑ ኣለው።

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ሓደ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ይውንኑዎም ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ናይ መንበሪ ህንፃታት ዝነብሩ 600 ነበርቲ ኣብ ኦን ላይን ፐቲሽን ስለፈረሙ ብወርቃዊ ሕብሪ ተፃሒፉ ዝነበረ ሽም ትራምፕ ተላዒሉ’ሎ።ካብቶም ፈረምቲ ሓደ ማርጆሪ ጃኮብስ ከምዚ ይብል።

“ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ምውራድን ዘርኣዊ ርእይቶታት ክህቡ ምስጀመሩን ብሓፈሻ ግን ፍፁም ውርደት ስለዝኾነ ኣብቲ እንነብረሉ ህንፃ ናቶም ሽም ተፃሒፉ ከሎ ደሕንነት ከምዘይስምዐና ንፈልጥ ነይርና።”

ገለ ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕሉፍ ንዶናልድ ትራምፕ ነቒፎምዎም እዮም።ትማሊ ረቡዕ ግን ስሙር ግንባር ኣርኢዮም ኣለው።መራሒ ብዙሃን ኣባላት ሰኔት ሚች ሚኮኔል ዶናልድ ትራምፕ ኣማኻሪ ዋይት ሃውስ ገይሮም ብዛዕባ ዝመረፁዎም ባነን ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ከምዚ ኢሎም።

“ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ከማኽሩዎም ብዛዕባ ዝመረፁዎም ሰባት ርእይቶ ኣይህብን እየ።”

ዴሞክራሲያዊያን ድሕሪ ትፅቢት ዘይተገበረሉ ስዕረት ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ፓርቶም ንምንቕቓሕ ፃዕርታት ጀሚሮም ኣለው።ሓድሽ መራሒ ውሑዳን ሰኔት ዝኾኑ ሰኔተር ቻርለስ ሹመር ሓደሽቲ መራሕቲ እቲ ፓርቲ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።


XS
SM
MD
LG