ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ዘይምርግጋእ ከምዘሻቕሎም ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ገሊጾም


ወናኒ ‘ማራንኬ ፕላንትስ’ ማርክ ድሪየሰን
ወናኒ ‘ማራንኬ ፕላንትስ’ ማርክ ድሪየሰን

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንኩባኒያታት ወፃኢ ኣጥቒዖም ሚሊዮናት ዶላር ዝፈሰሶም ኢንቨስትመንታት ተባሪዖምን ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሮም እዮም።እቲ ናዕቢ መንግስቲ ናይ ህፁፅ እዋን ክእውጅ ኣገዲዱዎ እዩ።ናብ ዞባ ኣርሲ ከተማ ዶኒ ከባቢ ዘሎ ሓደ ኩባኒያ ብሓገዝ ማሕበረሰብን ሽማግለታት ዓድን ከመይ ካብ መጥቓዕቲ ከምዝድሓነ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜርካ ይገልጹ።

ማራንኬ ፕላንትስ ዕምባባ እናምረተ ናብ ወፃኢ ዝልእኽ ትኻል እዩ። ወናኒ ‘ማራንኬ ፕላንትስ’ ማርክ ድሪየሰን ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣትው 13 ዓመታት ኮይኑዎም ኣሎ።ንሓደጋ ኩባንይኦም ሰጊኦም ግን ኣይፈልጡንእዮም።እቲ ኩባኒያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብኣንፈት ደቡብ ምብራቕ ኣስታት 130 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ።

ኣብ 4 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም እዚ ኩሉ ተቐይሩ፡ድሪየሰን ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ኩባንያታት ብሓዊ ክቃፀሉ ብዓይኖም ርእዮም እዮም።ዓው ኢሎም እናጨደሩ ናይ ዝውሕዙ ሰባት እናወሰኸ ምስ መፀ ቀፃሊ ዒላማ ኩባኒይኦም ምዃኑ ከምዝተረድኡ ይዛርቡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ዝጀመረ ቅድሚ ሓደ ዓመት እዩ።ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ናይ ወፃኢ ኩባኒያታት መጥቓዕቲ ምፍፃም ዝጀመሩ ግን ኣብ ቀረባ እዩ።ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ልዕሊ 10 ናይ ወፃኢ ኩባኒያታት መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ።እቶም ሰልፈኛታትመንግስቲ ንናይቲ ከባቢ ንእሽቱ ሓረስቶት ግቡእ ካሕሳ ከይኸፈለ ካብ መሬቶም እናመዛበለ መሬቶም ንወፃኢ ኢንቨስተራት ይዕድሎ ኣሎ ይብሉ።

ኣብ ቀረብኡ ዝነበሩ ሓረስቶት ንብረቶም ይቃፀልን ይዝረፍን ኣብዝነበረሉ እዋን ድሪየሰን ዕድል ገይሮም።ዓበይቲ ሽማግለታት ዓዲ ብሞተር ብሽክሌታ ኣቢሎም ኣብቲ ቦታ በፂሖም ነቶም ዝተቖጥዑ ብዙሓት ሰባት ከዘራርቡዎም ጀሚሮም።ካብቶም ሽማግለታት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ሹሚ ተሊላ ከምዚ ይብሉ።

“ሰናይ ምሕደራ ብምጥፍኡ እዩ ተቓውሞ ተላዒሉ።ስለ ምንታይ ነዚ ኩባኒያ ምቅፃል ኣድልየ?ብሰንኪ ምጥፍኣ ሰናይ ምሕደራ ዝተልዓለ ቁጥዐ ድማ ምስ ሽማግለታት እቲ ከባቢ ብምዝርራብ ክዕረ ኣለዎ።ንመጻኢ ከምዝመዓራረ ተስፋ ኣለና።”

ማራንኬ ፕላንትስ መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና 1,200 ሰራሕተኛታት ቆፂሩ የስርሕ።

ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት ካብዘመዝገባ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ እንተኾነት እውን ሸቕሊ ኣልቦነት ዝለዓለ እዩ።ልዕሊ ርብዒ ህዝባ ትሕቲ መስመር ድኽነት ይነብር።

ገለ ኢትዮጵያዊያን እቲ ዘይምርግጋእ ንናይታ ሃገር ምዕባለ ዝሓገዝ ካብ ወፃኢ ብቐጥታ ዝኣትው ኢንቨስትመንት ደው ከብሎ እዩ ክብሉ ስኽፍትኦም ይገልፁ።

ማራንኬ ፕላንትስ ናብ ንቡር ናይ ምፍራይ ስራሕቱ ተመሊሱ’ሎ። ድሪየሰን ግን እቲ ዕግርግር ክምለስ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ ኣለዎም።

መንግስቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ናይ ህፁፅ ግዜ ካብ ዝእውጅ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞ ናይ ወፃኢ ኩባኒያ የለን።መንግስቲ ኣብ እዋን እቲ ህውከት ኣሲሩዎም ዝነበሩ ኣስታት 2,000 ሰባት ምፍትሑ ኣብዚ ሰሙን ገሊፁ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እምነት ኢንቨስተራት ወፃኢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ’ሎ።

ተሓለቕቲ ጉጅለታትን መራሕቲ ተቓወምትን ግን እታ ሃገር ኣብ ነዊሕ እዋን ንምርግጋእ ናይቶም ሰልፈኛታት ሕቶ ምምላስ እንኮ መንገዲ እዩ ክብሉ የጠንቅቑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ዘይምርግጋእ ከምዘሻቕሎም ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:33 0:00

XS
SM
MD
LG