ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 16 ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ክኻየድ’ዩ


መበል 16 ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ክኻየድ’ዩ። ኣብቲ ጉያ አስታት 42 ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉ ኣዳለወቲ ኣፍሊጦም።ኣብታ ሃገር ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክንዲ ዝኸውን ህዝቢ ዝሳተፍሉ ኣጋጣሚ እዚ ናይ መጀመርያ ክኸውን እዩ።

ኣብቲ ውድድር ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰባት ዝሳተፉ ምዃኖም ዘዘኻኸረ መስራቲን ዳይረክተርን እቲ ውድድር ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ ክንሳተፍ ከለና ናይ ካልኦት ስምዒትን ድልየትን እውን ክነኽብር ኣለና ኢሉ።እቲ ውድድር ብሰላም ክዛዘም ኩሉ ኣበርኽትኡ ክገብር እውን ኣዳለውቲ ፀዊዖም ኣለው።

ኣብ ሂልተን ሆቴል ሎሚ መብርሂ ዝሃቡ ኣዳለውቲ ከምዝሓበሩዎ መበል 16 ውድድር ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ኮይኑ ይቕፅል ዘሎ ዓመታዊ ፍፃመ እዩ።ብሰንኪ እቲ ኣዋጅ ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝሳተፉ ከምዝነከየን እንተኾነ ግን 250 ወፃእተኛታት ከምዝሳተፉን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

መበል 16 ዓብይ ጉያ ኢትዮጵያ ሰንበት ክኻየድ’ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:09 0:00


XS
SM
MD
LG