ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝጸንሓ 28 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሎሚ ረቡዕ ሓሙሽተ ሚያዝያ ናጻ ከምዝተለቃ ተሓቢሩ እዘን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሓ ደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት: 23 ኤርትራውያን ክኾና እንከለዋ: ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ናይጀርያውያን ምዃነን ተሓቢሩ።
ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ዝገለጹ ምስ ፕረዝደንት ግብጺ ዓብደልፈታህ አል ሲሲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ዩኔስኮ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ ዓመተ 2017 ክቕበል ረቑሕዎ። እቲ ትካል ናብዚ ውሳኔ ዝበጽሓ ኣብ ዓውዲ ማዕከናት ዜና ብዝነጥፉ ሻራ ዘይብሎም ኣህጉራውያን መመይቲ ብዝወሰንዎ ናይ ሓባር ድምጺ’ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ኣውሮጳን ምዕራብን ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክወስዳ ይረኣያ። ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ንሕይወት አድሕን ስርሒታት ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከሰልጥን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ምክትታል ዶባት ከሓይላ፡ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ቀረባ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ትራምፕ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ንምጉዳልን ናብ ኣሜሪካ ዝአትው ስደተኛታት ንምንካይን ሓድሽ ናይ መገሻ እገዳ ኣሕሊፎም’ዮም።
መበል 75 ዓመት ምምስራት ድምጺ ኣሜሪካ ሎሚ ለካቲት 1, 2017 ይኽበር ኣሎ። ዳይሬክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣማንዳ በነት ነዚ ብዝምልከት እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣሕሊፈን።
ሆላንድ፡ ተማሃሮን ስደተኛታትን ናይ ምትሕንፋጽ መደብ ተተባብዕ
ማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራዊያን እስራኤል ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ ማእከል ኮይኑ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል’ዩ። ገለ ካብቲ እቲ ማእከል ዝህቦ ኣገልግሎት ዝተፈላልየ ስልጠና፡ ሓበሬታን ምምላእ ፎርም ዳግመ ምጥያስን ንዋታዊ ሓገዝ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤትን ኣዴታትን ይርከብዎ።
ዶናልድ ትራምፕ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ድሕሪ ምምራፆም ስጉምቲ ክውሰድ ብሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዝተጀመረ ፃውዒት እናተበራርበረ ድሕሪ ምፅናሕ ንፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ዘተኣኻኸበ ሰልፊ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ፕረዝዳንታዊ ፅንብል ቃለ መሓላ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ተኻይዱ።
ዓመተ 2016 ተወዲኡ ዓመተ 2017 ካብ ዝጅመር ቁሩብ መዓልታት ኣቁጺሩሉ ኣብዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓስከር ሕቡራት ሃገራትን ጎረባብቲ ሃገራትን ተዓቒቦም ዘለው ስደተኛታት: እዚ ሓድሽ ዓመት ሕጂ’ውን ካልእ ዓመት ዘይርጉጽነትን ሻቕሎትን እዩ ኾይንዎም ዘሎ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንበረ ጸባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ተፈጺሙ።
ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝሰኣነቶም ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍለጡ ውሩያት ሰባት ካብ ውልቀ መራሒ ክሳብ ናይ ዓለምና ብዕድመ ዝዓበያ ውልቀሰባት ይርኸብዎም።
ዓመተ 2016 ተወዲኡ ንዓመተ 2017 ክንቕበል ቁሩብ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓስከር ሕቡራት ሃገራትን ጎረባብቲ ሃገራትን ተዓቒቦም ዘለው ስደተኛታትን እዚ ሓድሽ ዓመት ሕጂ’ውን ካልእ ዓመት ዘይርጉጽነትን ሻቕሎትን እዩ።
ኣብ መጭወይትን መቕተልትን ኤርትራዊ ነጋዳይ ብዝተሓሓዝ አባል ፖሊስ ኡጋንዳ ዝኾነ ካፕቴን ምስ ክልተ ካልኦት ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። መዋቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ዳኒኤል ወልዱ ወደ 32 ዓመት ኾይኑ ኣብ ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳንን ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳን ዝነጥፍ ዝነበረ ነጋዳይ’ዩ።
መበል 100 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ስፍራ አታክልቲ ኣሜሪካ ምክንያት ብምግባር ጀርዲን ስፍራ አታክልቲ ከተማ ዋሽንግተን ዝተፈላለዩ ምርኢት ብምድላው አቃልቦ ብዙሓት ይስሕብ ኣሎ።
ንሳ ዋላ’ካ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸይዳ ኣገልግሎት ትምህርቲ ናይ ምርኻብ ዕድል እንተሰአነት ኣብ ህይወታ ብተመክሮ ብዝረኸበቶ ኣፍልጦ ስደት፡ ስደተኛታትን ካልኦት ማህበረሰባዊ ጉዳያትን ተሓላቂት ሲቪል ማህበረሰብ ኾይና ክትሰርሕ ሓጊዝዋ። ብተወሳኺ ኣባል እቲ ምምሕዳራዊ ቤት ምኽሪ ኮይና’ውን ክልተ ጊዜ ተመሪጻ ከተገልግል ምብቕዓ ይፍለጥ።
እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ በርሊን ናይ ጽዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ደይ መደይ ኢልካ ዝተገብረ ምዃኑ ጥርጥር የለን ክብሉ ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ጀርመን ቶማስ ማዚኦረ ኣፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ 1,870 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ፕሮጀክት ግልገል ጊቤ III ተመሪቑ። እቲ መመንጨዊ ጸዓት ኣብ ህንጸት ንዘሎ ናይ ህዳሰ ግድብ ቀጺሉ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዝዓበየ ግድብ’ዩ። እቲ ፕሮጀክት ካብ ከባብያዊ ተሓለቕቲ ትካላት ክለዓል ዝጸንሓ ተጽዕኖ ተጻዊሩ’ዩኣብዚ በጺሑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትርይ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ስነስርዓት መመረቕታ ገሊጾም።
ጉጅለ ተሓላቂ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ዝቕተሉ ጋዜጠኛታት ከምዝጎደለ እንተኾነ ቁጽሪ ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ጋዜጠኛታት ግን ምውሳኹ ገሊጹ። እቲ ጉጅለ ወሲኹ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየ ተርእዮ ምዃኑ’ውን ይሕብር። ካብቶም ኣብዚ ዓመት ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት እቶም ሰለስተ ኣብ ሶማል ክኾኑ ከለው ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተአሰሩለን ሃገራት ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን እየን ይብል።
ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝፈረዩ ሓያሎ ብሉጻት ተጻወቲ ሓደ ብብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ዝዝከር ገዲም ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ በረኸት ዘሚኪኤል ረቡዕ 14 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ ሓሙስ ታሕሳስ 15 ድማ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ጨዓት ተቐቢሩ።
ተወሳኺ ጽዓን