ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራዊያን እስራኤል- ንስደተኛ ማህበረሰብ እስራኤል ኣገልግሎት ዝህብ ትካል


ማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራዊያን እስራኤል
ማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራዊያን እስራኤል

ማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራዊያን እስራኤል ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ ማእከል ኮይኑ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል’ዩ። ገለ ካብቲ እቲ ማእከል ዝህቦ ኣገልግሎት ዝተፈላልየ ስልጠና፡ ሓበሬታን ምምላእ ፎርም ዳግመ ምጥያስን ንዋታዊ ሓገዝ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤትን ኣዴታትን ይርከብዎ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ እዚ ማእከል አስታት 36 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ዝተፈላልዩ ሃገራት ኣብ እስራኤል ይነብሩ። መብዛሕትኦም ሓተቲ ዑቕባ ብመንግስቲ እስራኤል ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ዘይረኸቡ እዮም።

እዚ ማእከል ኣብ ሕዳር 2011 ዓ.ም ብብዝሒ ኤርትራዊያን ንምድረ በዳ ሲናይ ብምቁራጽ ናብ ዶባት እስራኤል ምእታዎም ኣብዚ ሓደገኛን አስቃቂ ጉዕዞን ድማ ብዙሓት ግዳያት ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ብምዃኖምን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝበጽሕሉ ጊዜ’ውን ኣብ ሃገረ እስራኤል ምስ ዘሎ ኩነታት ኣትሓሕዛ ስደተኛታት ዝተፈላለየ ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊም ጸገማት ከጋጥም ምስጀመረ ንሓድሕድ ንምድግጋፍ ብዝብል ዝተመስረተ ትካል ምዃኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳይሬክተር እቲ ማእከል ሄለን ኪዳነ ትሕብር።

ድሒሩ እቲ ማእከል ተወሳኺ ነቲ ስደተኛ ማህበረሰብ አድላይ ዝበሎም አገልግሎት ክህብ ጀሚሩ። እቲ ማእከል ካብ ዝህቦም ስልጠና ናይ ቋንቋ ሄብሩን እንግሊዝን ትምህርቲ፡ ናይ ኮምፒተር ስልጠና፡ ናይ ስነ ጽባቐ ትምህርቲ ብተወሳኺ ንሓገዝ ዘድልዮም ኣዴታት ንዋታዊ ሓገዝ በጠቕላላ ድማ ኣብ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ይነጥፍ።

ዳይሬክተር እቲ ማእከል ሄለን ኪዳነ
ዳይሬክተር እቲ ማእከል ሄለን ኪዳነ

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ማእከል ብዳይሬክተር ሄለን ኪዳነን ኣሜሪካዊት ኣንድርያ ጋግነ ማናጀር ፋይናስን ምትእክኻብ ሓገዝ ካልኦት ሰለስተ ወለንተኛታትን ዝኻየድ ኾይኑ በብእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ብናይ ኢንተርንሽፕ ወይም ከም አካል ትምህርቶም ዝኾነ ኣገልግሎት ወይ ምልውዋጥ ልምዲ ዝህቡ ተማሃሮ ከምዝካየድ ዳይሬክተር እቲ ማእከል ሄለን ኪዳነ ትገልጽ።ንሳ ብተወሳኺ ኣብ ንጥፈታት ትርጉም ዝሳተፉ ኣባላት እቲ ማእከል ከምዘለዉን ትገልጽ።

እቲ ማእከል ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ቴል ኣቪቭ ከምቲ ዝድለይ ዘይሰጎመሉ ብድሆታት ዝበዝሓ ብሰንኺ ካብ ፖሊሲ መንግስቲ እስራኤል ዘጋጥም ቐይድታት ምዃኑን’ውን ዳይሬክተር ሄለን ተረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG