ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2016


ዓመተ 2016 ተወዲኡ ዓመተ 2017 ካብ ዝጅመር ቁሩብ መዓልታት ኣቁጺሩሉ ኣብዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓስከር ሕቡራት ሃገራትን ጎረባብቲ ሃገራትን ተዓቒቦም ዘለው ስደተኛታት: እዚ ሓድሽ ዓመት ሕጂ’ውን ካልእ ዓመት ዘይርጉጽነትን ሻቕሎትን እዩ ኾይንዎም ዘሎ።

ኣብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬርን ንምኽትል ፕረዝደንት ሪያክ ማቻር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምብራሮም ብዝተለዓለ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም። እዚ ድማ ድሕሪ ናይ 1994 ዓ.ም. ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ጃምላዊ ሕልቂት እቲ ብብዝሒ ሰባት ዝተሰደድሉ ግጭት ማእከላይ ኣፍሪቃ’ዩ።

ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዝተለዓለ ግጭት ንጃምላዊ ሕልቂት ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ምህላው የጠንቕቁ።

ኣብ ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርኸብ ዓቃቢ ሰላም ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት አባላቱ ኣብታ ብኩናት ዝባደበት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም እዮም ብዝብል ክሲ ኣብ ምርመራ ይርኸብ።

ሓደ ነጻ ተዓዛቢ ትካል ሕቡራት ሃገራትን ትካላቱን ኣብ ዓመተ 2013ን 2014 ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት እታ ሃገር ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም እዮም ክብል ኸሲሱ`ዩ።

ኣብ 2013 ዓ.ም ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ተቃወምቲ ሕብረተሰብ ሰልካ ስልጣን ምስሓዙ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና እታ ሃገር ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስዱ ጀሚሮም ብሰንኺ’ዚ ኣስታት 10,000 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ምውፋሮም ይፍለጥ።

ካልእ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ትለዓል ሃገር ኬንያ’ያ። መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ምዃኑ ዝንገረሉ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ክዓጽዎ ምኳኑ ድሕሪ ምፍላጡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ምስ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺቦም ተዘራሪቦም ኔሮም።

ኬንያ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ሶማልያዊያን ስደተኛታት ዘዕቖበት ሃገር እያ። ኣብ 2013 ዓ.ም ድማ መንግስታት ኬንያን ሶማልን ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብምዃን ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ሶማልያዊያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ስምምዕ ተፈራሪሞም። ብመሰረት’ዚ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታ ልዕሊ 14,000 ሶማልያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ስለዝኾነ ኸአ ሕቡራት ሃገራት ኾነ ምዕራባዊያን ሃገራት ነቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርኸቡ 350,000 ሶማልያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምስጓግ ንዓለምለኸ ግዴታ ዝጥህስ እዩ ይብሉ።

“ምምላስ ውሑስ ኸውን ኣለው። እዚ ክማላእ ኸአ ምውሓስ ጸጥታ ግዴታ መንግስቲ ሶማልን ዓለምለኸ ማህበረሰብን እዩ። ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ጥዕናን ካልእ ንመነባብሮ ዘድልዩ ነገራት’ውን ክህልው ኣለዎ።”

ኣብ ወርሒ ሰነ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ አንጻር መንግስቲ ሃገሮም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም። ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ንመንግስቲ ኤርትራ ብገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ዝኸስስ ሪፖርት ከምዘውጽኤ ይፍለጥ`ዩ።

ብመሰረት እቲ ሪፖርት መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ከም ብስቅያት፡ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ዝአመሰሉ ገበን አንጻር ሰብኣዊነት ብምፍጻም እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክምራሕ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ኔሩ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ክስደዱን ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ምድረ በዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪን ንምፍጻም ምክንያት ምኻኑን ይገልጹ።

“ ኩሎም ህዝቢ ኤርትራ ዓብይ ጸገም ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እታ ሃገር ተስፋ ብምቁራጽ ሃገሩ ገዲፉ ባሕሪ ብምቁራጽ ይስደድ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ወረ ኹናት’ውን ንሰምዕ ኣለና። ስለዚ ንሕና ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ብምርዳእ ንመራሒ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ከቕርቦ ንደልይ ኣለና” ይብል ኣብ`ቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝነበረ ኣልኣዛር ተኽለማርያም ዝተባህለ ሰብ።

ካልእ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዓብይ ፍጻመ እዚ ዓመት፡ ሃገራዊ መልቀቂ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ስለዝተሰርቀ ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞ ህብረተሰብ ኦሮሞን እዩ።

ተሓለቕቲ መሰል ተወላዶ ኦሮሞ ነቲ ፈተና ባዕሎም ኮነ ኢሎም ከምዘስረቕዎ እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተለዓል ተቓውሞ ከጽንዑ ጊዜ ስለዘይረኸቡ ተፈተንቲ እቲ ክልል ጊዜ ንምሃብ ኢሎም ዝገበርዎ ምዃኑ ይገልጹ።

መንግስቲ ንምስፍሕፋሕ ዋና ከተማ አዲስ አበባ ብማለት ኣብ ከባቢ’ታ ከተማ ዝርኸብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዘጠቓልል ማስተር ፕላን ብምውጽኡ ንእኡ ብምቕዋም ዝተለዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ንኣዋርሕ ምቕጻሉ ብመሰረት ሓበሬታ ጉጅለታት ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኣሜሪካ ዝርኸቡ ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ እዋን እቲ ተቓውሞ አስታት 200 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ክብሉ ከለው ብመንግስቲ ዝተዋህበ አሃዝ ግን ካብዚ ዝተሓተ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ዳይሬክተር ኦሮሞ ሚድያ ኔት ወርክ ጀውሃር መሃመድ ከምዚ ይብል።

“ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ተማሃሮ ብግቡእ ትምህርቶም ክኸታተሉ ኣይከአሉን ቤት ትምህርትታት ኣብ ትሕቲ ብወታሃደራዊ ሓለዋ ይርኸባ። ብሰንኺ እዚ ድማ ወለዲ፡ መማህራን ከምኡ’ውን ገለ ምሁራን እቲ ፈተና ዝወሃበሉ ጊዜ ክነዋሕ ክሓቱ ጸኒሖም መንግስቲ ግን ነዚ ሕቶ ነጺግዎ ስለዚ እቲ ናይ መወዳእቲ ኣማራጺ ነቲ ፈተና ተሰሪቁ ከምዝወጽእ ተጌሩ።”

ናብ ኬንያ ምስ ንምለስ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣርእስቲ ዜና ዓመተ 2016 ኔሮም። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጠበቓታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ናይሮቢ ብምውጻእ ብፖሊስ ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ መቕተልቲ ደው ክብል ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዖም።

እዚ ተቓውሞ ብሰንኺ ድሕሪ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ምስዋር ጠበቓ ኪማኒ ምስ ዓሚሉ ምዌንዳን ዘመላስልሶም ዝነበረ ዘዋሪ ታክስን ኾይኑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ንብልሽውና ፖሊስ ኬንያ ብዝምልከት ክሲ ምምስራቶም ነዚ ስዒቡ ፖሊስ ኬንያ ብ ዘይፍትሃዊ መቕተልቲ ሰባት ምጅማሩን ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ዓመተ 2016 ንስደተኛታት ዝኸፍአ ዓመት ክብል ሰይምዋ እዚ ድማ እዚ ዓመት’ዚ ድሕሪ ካልኣይ ኹናት ዓለም እቲ ዝኽእፍአ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተራእየሉ ዓመት ብምኻኑ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ስደት እቲ ዓብይ ጉዳይ’ዩ ብፍላይ ድማ ኣብ ኒጀር። ኒጀር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንዝሓሸ ናብራን ዕድልን ናብ ኣውሮጳ ከም መሰጋገሪ ካብ ዝጥቀሙሉን ሃገራት ሓንቲ እያ እንተኾነ ብዙሓት ህይወቶም ዝስእኑላ ቦታ’ውን እያ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ አስታት 300.000 ስደተኛታት ንዶባት ኒጀር ሰጊሮም ክኾኑ ይኽእሎ እዮም ክብል የጠንቕቅ።

ኣብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ተሓባባሪት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሚቸል ባምባሲ ብዛዕባ’ዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ከምዚ ትብል።

“እቲ መልእኽቲ እቲ ጉዕዞ ሓደገኛ’ዩ ስለዚ ኣይትኺዱ ኣይኾነን ምኽንያቱ ካባና ንላዕሊ ሓደገኛነት እቲ ጉዕዞ ይፈልጡ እዮም ። እቲ መልእኽቲ ዝሓሸ ዕድል ንውልቃዊ ምዕባለ ኣብዚ ኣብ ዓድኹም ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ምሕላፍ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ዝለዓል ሕቶ ብሓቂ እዚ ዕድል ኣሎ ድዩ? ነቶም ናብ ኣውሮጳ ዝስደዱ ዘለዉ ምዕራብ ኣፍሪቃዊያን ብኣገባብ ክትኸድሉ ትኽእሉ ኣማራጺ ክንህቦም ንኽእል ዲና?”

ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ እንኾ መሰጋጋሪት ናብ ኣውሮጳ ዝኾነት ሃገረ ሊብያ ሕጊ ኣልቦ እያ። ኣልጀርስ፡ ሞሮኮን ደሴታት ካናሪን ዶባተን ኣጽየን እየን። ሃገራት ኣውሮጳ ድማ ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ይርኸባ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2016
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:24 0:00

ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2016
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:03 0:00

XS
SM
MD
LG