ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ክጎድል ከሎ ቁጽሪ ዝተአስሩ ግን ምውሳኹ ተገሊጹ


ፋይል - ኬንያ ሕዳር 3,2016
ፋይል - ኬንያ ሕዳር 3,2016

ጉጅለ ተሓላቂ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ዝቕተሉ ጋዜጠኛታት ከምዝጎደለ እንተኾነ ቁጽሪ ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ጋዜጠኛታት ግን ምውሳኹ ገሊጹ። እቲ ጉጅለ ወሲኹ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየ ተርእዮ ምዃኑ’ውን ይሕብር። ካብቶም ኣብዚ ዓመት ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት እቶም ሰለስተ ኣብ ሶማል ክኾኑ ከለው ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተአሰሩለን ሃገራት ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን እየን ይብል።

ብመሰረት ሓበሬታ ጉጅለ ተሓላቂ ደሕነንት ጋዜጠኛታት(CPJ) ዓመተ 2016 ንኣፍሪቃዊያን ጋዜጠኛታት ጽቡቕ ዓመት ኣይኮነን ይብል፡ ኣብ ሃገራት ትሐተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ክቕተሉ ከለው 41 ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይርኸቡ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣፍሪቃ 14 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ ከለው 34 ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይርኸቡ።

ብደረጃ ዓለም ብውሑዱ 48 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ ከለው መብዛሕትኦም ኣብ ዞባ ግጭት ዝኾና ሃገራት ሶርያ፡ዒራቕ፡ሊብያን ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ኾይኑ 90 ሚእታዊት ካብዚኦም ድማ ጋዜጠኛታት’ቲ ዞባ’ዮም።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ቁጽሪ ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ ጋዜጠኛታት ብደረጃ ዓለም 259 ክኸውን ኸሎ ጉጅለ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት( CPJ) ምምዝጋብ ኣሃዝ ካብ ዝጅምር ዝሓለፈ 16 ዓመታት ዝለዓለ ቁጽሪ ዝተመዝገበሉ ዓመት ምዃኑ’ውን እቲ ጉጅለ ይሕብር።

ኣብ ኣፍሪቃ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ሃገር ሶማል ክትከውን ከላ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተቐትሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ሰለስተ ኣብ ሶማል ዝተቐትሉ ክኮኑ ከለው፡ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ 41 ጋዜጠኛታት 16 ኣብ ኢትዮጵያ 17 ኤርትራ ይርኸቡ። ብተወሳኺ መንግስታት እዘን ክልተ ሃገራት ንፕረስ ተጻባእቲ እዮም ተባሂሎም’ውን ይኽሰሱ ።

ዳይሬክተር መደበሩ ኣብ ከተማ ጆሃስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ትካል ምቁጽጻር መራከቢ ብዙሃን ኣብ ኣፍሪቃ ዊልያም በርድ መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ጋዜጠኛታት ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ አንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ዝተአስሩ እዩም ይብሉ።

ጋዜጠኛ ራድዮ ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ መሃመድ ኢብራሂም ሞዓሊሙ ኣብ ሶማል ቁጽሪ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምጉዳሉ ድሕሪ ምግላፅ ምክንያት ምጉዳል እቲ ቁጽሪ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዑል ቑጽሪ ጋዜጠኛታት ብምቕታሎምን ነታ ሃገር ለቒቖም ብምስዳዶም እዩ ይብል።

መሃመድ ኢብራሂም ሕጂ’ውን ኣብ ሞቃዲሾ ዝነብር ዘሎ ክኸውን ከሎ ነዚ ቃለ መጠይቕ ኣብ ዋዕላ ጋዜጠኛታት ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቦ’ዩ’

“ ገለ ካብቶም መሳርሕትና ንደሕንነቶም ብምስጋእ ንሶማል ገዲፎም ናብ ካልእ ክፋላት ዓለም ተሰዲዶም እዮም። እቶም ንመራኸቢ ብዙሃን ስቕ ከብሉ ዝደልዩ ድማ ነዚ እዮም ዝደልዩ።”

ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2016 ዝተቐትሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ንግጭትን፡ ብልሽውናን ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት ስርሓት ከለው ዝተቐትሉ እዮም።

ኣስማት እቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት

1፡ ዓብደልዓዚዝ ዓሊ

2. ኣል ሓጂ መሓመድ ዳለዎ

3. ኣይዛክ ቩኒ

4. መሃድ ዓሊ መሓመድ

5. ማርሰል ሉባላ

6. እታ እንኾ ጓል ኣንስተይቲ ሰጋል ሳላድ ዑስማን እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ክጎድል ከሎ ቁጽሪ ዝተአስሩ ግን ምውሳኹ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ጉጅለ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG