ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ምርቋሕ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ 2017


ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ
ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ዩኔስኮ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ ዓመተ 2017 ክቕበል ረቑሕዎ። እቲ ትካል ናብዚ ውሳኔ ዝበጽሓ ኣብ ዓውዲ ማዕከናት ዜና ብዝነጥፉ ሻራ ዘይብሎም ኣህጉራውያን መመይቲ ብዝወሰንዎ ናይ ሓባር ድምጺ’ዩ።

እዚ ብጁልየርሞ ካኖን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሽልማት ዘዳለዎ ትካል-ዩኔስኮ- ዳይሬክተር ጀነራል ኢሪና ቦኮቫ ዳዊት ይስሓቕ ነዚ ዝበቕዓሉ ብዘርኣዮ ትብዓትን ጽኑዕ መርገጺ ኣብ ሓሳባትካ ብሓርነት ምግላጽን ኣብ ዝብል መምዘኒ ብምምልኡ ምኻኑ ትገልጽ።

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ይስሓቕ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ዓምዲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ’ዩ።

ነዚ ሽልማት ስድራ ቤት ዳዊት ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ክቕበልዎ ዕድመ ከምተገብረሎም ጓሉ ቤትልሄም ኢሳቕን ሓው ኢሰያስ ኢሳቕ ይሕብሩ።

ሽልማት ጁልየርሞ ካኖን ኣብ ግንቦት 3,2017 ዓ.ም ኣብ ዋና ከተማ ኢንዶኖዥያ ጃካርታ ዝወሃብ ምኻኑን ነቲ ሽልማት ዘዳለወ ትካል ዩኔስክ ዳይሬክተር ጀነራል ኢሪና ቦኮቫን ፕረዝደንት ኢንዶኖዥያ ጆኮ ዊዶዶ ኣብ ዝተረኽብሉ እቲ ናይ 25,000 ዶላር ሽልማት ከምዝወሃብ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG