ዳዊት ይስሓቕ ሽልማት ዓለማዊ ሓርነት ፕረስ ክቕበል ዝተወሰነ ኣብ ዓውዲ ማዕከናት ዜና ብዝነጥፉ ሻራ ዘይብሎም ኣህጉራውያን መመይቲ ናይ ሓባር ድምጺ ብዝወሰንዎ ውሳነዩ። እቲ ሽልማት ፡ ሽልማት ዩኒስኮን ጁልየርሞ ካኖን ተባሂሉዩ ዝጽዋዕ።
ዳይረክተር ጀነራል ዩነስኮ ኢሪና ቦኮቫ ነዚ ኣመልኪታ ዳዊት ይስሓቕ ክሽለም ዝበቕዓሉ ብዘርኣዮ ትብዓትን ጽኑዕ መርገጺ ኣብ ሓሳባትካ ብሓርነት ምግላጽን ዝብልሉ መምዘኒ ዘማልአ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ምዃኑ ገሊጻ።
ንሳ ብተወሳኺ ንመሰረታዊ ሓርነታት ንምጥባቕ ትብዓትን ተወፋይነትን ከምዘድሊ ብምሕባር: እዚ ድማ ካብ ብሉጽ ክብርታት ጁለርሞ ካኖ ምዃኑ ተረድእ። ከምኡ ብምዃኑ ንዳዊት ይስሓቕ ነዚ ሽልማት’ዚ ብምሃብ መልእኽቲ ከነመሓላልፍን ኣበርክቶኡ ከነጉልሕን ስለዝደለናዩ ትብል።
ፕረዚደንት ናይ ኣህጉራዊ መመይቲ ሽልማት ዩኒስኮን ጁለርሞ ካኖን ዝኾነ ሲላ ቦንኮ ብወገኖም ዳዊት ይስሓቕ ነዚ ሽልማት ምርቁሑ ምስ ነዊሕ ዝርዝር ኣስማት ንሓቂ ዝቖሙ ተባዓት ጋዜጠኛታት ከምዝጽንብሮ ይገልጽ። ሓቂ ንምድላይ ገሊኦም ህይወቶም ዝኸፈሉ እዮም: ካልኦት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ክኾኑ ከለው: ዳዊት ይስሓቕ ንኣስታት 16 ዓመታት ብዘይ ክስን መስርሕ ፍርዲን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ይርከብ። ነዚ ሽልማት ብምሃብ ድማ ዳዊት ይስሓቕ ይፈታሕ ንብል ኢሎም።
ተዓወቲ ሽልማት ዩኒስኮን ጁለርሞ ካኖን ዝኾኑ ጋዜጠኛታት 25 ሽሕ ዶላር ይቕበሉ ። እዚ ሽልማት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ ሓርነት ፕረስ ዝወሃብዩ።