ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጉዳይ መጭወይትን ሞትን ኤርትራዊ ነጋዳይ ዝተጠርጠሩ ኡጋንዳዊ ካፕቴን ካልኦት ክልተ ውልቀሰባትን ተአሲሮም


መዋቲ ነጋዳይ ኤርትራዊ ዳንኤል ወልዱ
መዋቲ ነጋዳይ ኤርትራዊ ዳንኤል ወልዱ

ኣብ መጭወይትን መቕተልትን ኤርትራዊ ነጋዳይ ብዝተሓሓዝ አባል ፖሊስ ኡጋንዳ ዝኾነ ካፕቴን ምስ ክልተ ካልኦት ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። መዋቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ዳኒኤል ወልዱ ወደ 32 ዓመት ኾይኑ ኣብ ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳንን ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳን ዝነጥፍ ዝነበረ ነጋዳይ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኡጋንዳ ሚስተር አንድረው ኪዋሲ ንመንግስታዊ ጋዜጣ ዴይሊ ቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተኸሳሲ ካፕቴን ሃኪም ማንጀኒን ካልኦት ክልተ ተሓባበርቱን፡ንዳኒኤል ኣብ ባንክ ኡጋንዳ 2 ሚልዮን ዩሮ ገንዘብ ከምዘለዎ ምስ ፈለጡ፡ ናይ ጀርመን ቪዛ ክንረኽበልኻ ብዝብል ሽፋን ከምዝቐረብዎን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ድማ ክልተ ባንክታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምርመራ ከምዝርኸባ ይገልጽ።

እዞም ሰለስተ ውልቀሰባት ምስ መጭወይትን መቕተልትን ዳንኤል ወልዱ ብዝተሓሓዝ ክሲ ተመስሪትዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርኸቡ`ውን እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኡጋንዳ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጹ`ሎ።

ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ ዳኒኤል ወልዱ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ናብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ምግዓዙን ኣብ ጥቅምቲ 27 ድማ ካብ ዓይኒ ቤተሰቡን ፈለጥቱን ምስዋሩ ዓዕሩኽቱ ይገልጹ።

ኣብ መጀመርታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ድማ ፖሊስ ኡጋንዳ ዳንኤል ኣብ ቡዝያ ዝበሃል ኣብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን ዝርኸብ ቦታ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ንስድራ ቤት ኣፍሊጦም።

ስድራ ቤት ዳንኤል፡ ሬሳ ወዶም ሒዞም ትማሊ ናብ ኤርትራ ብምኻዶም ክንረኽቦም ኣይኽኣልናን። መስርሕ ፍርዲ እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ተጠርጠርት’ውን ምስ ምምላስ ስድራ ዳንኤል ናብ ኡጋንዳ ከምዝቕጽል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ንወሃቢ ቃል ፖሊስ ኡጋንዳ ሚስተር ኣንድሪው ኪዋሲ ንምርኻብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ፈተነ ግን ኣይተዓወተን።

ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ንስድራ ቤትን ፈተውትን መንእሰይ ዳንኤል ወልዱ ጽንዓት ይሃብኹም ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG