ብዛዕባ ተጻዋታይ በረኸት ዝኽሮም ዝገለጹ ነታ ንሱ ንነዊሕ እዋን ዝተሰለፈላ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ን11 ዓመታት ዝመርሕዋ ዝነበሩ ራጂነር ዩሃንስ ተኪኤን ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ምስ በረኸት ተጻዋታይ ዝነበረ ዳዊት ተስፋይ’ዮም።
ገዲም ፍሉጥ ተጻዋታይ በረኸት ዘሚካኤል ካብቶም ብዘየሻሙ ክእለቱ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዘመስከረ፡ ካብ ናይ ምምሕዳር ከባቢታት ኣትሒዙ ክሳብ ናይ ክለብን ሃገራውያን ጋንታታትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሰለፈ ምኩር ስፖርተኛዩ ነይሩ።
በረኸት ብፍላይ ምስ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ተሰሊፉ ኣብ ዘርእዮ ዝነበረ ምልከት ጸወታ ነታ ጋንታ ብሓባር ምስ ካልኦት ኣባላት እታ ጋንታ ብምዃን ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ጋንታታት ክትከውን ኣብቂዕዋዩ።
ኣብ ከባቢ 1972 ዓ.ም ኣቢሉ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቀይሕ ባሕሪ ክትምስረት ከላ ካብቶም ናይቲ እዋን’ቲ ብሉጻት ተጻወቲ ተባሂሉ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጻወተሉ ዝነብረ ጋንታ ደጎዓሊ ናብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝመጸ ኣቦ መንበር እታ ጋንታ ዝነበሩ ራጂነር ዩሃንስ ተኪኤ ይገልጹ። ራጂነር ዩሃንስ ብምቅጻል በረኸት ኣብ ሃገራዊ ጋንታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ውን ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበረ ተጻዋታይ’ዩ ኔሩ ይብሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
በዚ ኣጋጣሚ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ንምሉእ ንስድራ ቤቱን ንኹሎም ኣፍቀርቲ ስፖርትን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።