ኣብዚ ቀረባ ግዜ 'ምስጋና ብትሑት ድምጺ' ማለት 'Gratitude in Low Voices' ትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ በዓል ሞያ ተክኖሎጂ ሓበሬታ ኣቶ ዳዊት ገብረሚካኤል ኣብ ስቱድዮ ድምጺ ኣመሪካ ተረኺቡ ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሓፉን ድሕረ ባይትኡን ዝምልከት ኣካፊሉና ኣሎ። ኣቶ ዳዊት ነታ 46 ታሪኻዊ መወከሲ ሰነድ ገሊኡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቅሉዕ ዝኾነ ሰነድ ዝሓዘለት መጽሓፉ ምስ ናይ ውልቃዊ ታሪኹ ብፍላይ ምስ ጉዕዞ ስደትን መንነትን ኣተሓሒዙ ከምዝጸሓፋ እዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ክፋል ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
እዚ “መርሓባ ትግርኛ” ብምባል ዝጽዋዕ App ኣብዚ ሕጂ እዋን ንተጠቐምቲ ኣፕል ዝተዳለወ ኽከውን ከሎ ኣብ ዝመጽእ ስሙናት ድማ ንተጠቐምቲ ኣንድሮይድ ከምዝቐርብ ኣቶ በእምነት የረድእ። ምስ ኣቶ በእምነት ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
መራሕቲ ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ኤርሚያስ ኣስገዶም(ኒብሲ ሃስል)
ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ሄለን ፍሰሃየ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ኮሚሽነር ጉዳያት ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2018 ተመዚዛ።እዚ መዝነት ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ እዩ። ሄለን ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካን ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ስራሕ ፈጢሮም ሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝነጥፍ ናይ ገዛእ ርእሳ ትካል እውን ኣለዋ።ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ መዝነታን ተመክሮኣን ዝምልከት ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።
ተወሳኺ ጽዓን