ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ክለባት ስፖርት ቨርጂንያን ሜሪላንድን ኣብ ኣትላንታ ግጥማት ንምክያድ ይጉዓዛ


ዳንኤል ብርሃነ(ክለብ ዛራ ቨርጂንያ): ጸጋይ ዓንድማርያም(ኤሪ-ስታር-ሜሪላንድ)
ዳንኤል ብርሃነ(ክለብ ዛራ ቨርጂንያ): ጸጋይ ዓንድማርያም(ኤሪ-ስታር-ሜሪላንድ)

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝመደበሩ `ኤሪ-ስታር` ዝተባህለ ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ስፖርታዊ ክለብ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቨርጂንያ ዝመዓስከሩ `ዛራ` ዝተባህለ ክለብ ስፖርት፡ ምስ ኣብ ኣትላንታ ትርከብ `ሬድ-ሲ ኣትላንታ` ዝተባህለት ክለብ ፡ ክረምታዊ ስፖርታዊ ግጥማት ንምክያድ ናብ ኣትላንታ ይጉዓዙ ኣለዉ።

“ልዕሊ ሸውዓተ ኣውቶቡሳት መሊእና ካብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ድሕሪ ሰሙን ናብ ኣትላንታ ንጉዓዝ ኣለና” ይብሉ፡ ሓለፍቲ ኤሪ-ስታርን ዛራን ጸጋይ ዓንድማርያምን ዳንኤል ብርሃነን።

እቲ ዝመጽእ ሰሙን ካብ ስነ 19 ,2019 ጀሚሩ ኣብ ኣትላንታ ዝካየድ ውድድራት፡ ምስ`ቲ ድሕሪኡ ድሕሪ 10 መዓልታት ኣብ ሚነሶታ ዝካየድ ፈስቲቫል ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ብኸመይ ይቃዶ ዝብል ሕቶ`ውን ተላዒሉ`ሎ፡-

ምስ ኤርሚያስ ብስራት(ክለብ ሬድ-ሲ ኣትላንታ)፡ ጸጋይ ዓንድማርያም(ኤሪ-ስታር-ሜሪላንድ): ዳንኤል ብርሃነ(ክለብ ዛራ ቨርጂንያ) ዝተኻየድ ቃለ-መጠይቕ ቐዳማይይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG