ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዑላውነት ኤርትራ ይከበር፡ መንግስቲ ንህዝቡ ይሓብር ዝብሉ ኤርትራውያን ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም


ልዑላውነት ኤርትራ ይከበር ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበሩ ስምምዓት ንህዝቢ ግልጽነት ይሃልዎም ዝብሉ ኤርትራውያን፡ ሎሚኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ናብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ `ውን ዘምርሑ ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይገብር ከምዘለዎ ንጹር ኣይኮነን፡ ንህዝቢ ብግልጺ ይንገር ዝብልን፡ ነታ ሃገር ናብ ንቡር ግዝኣተ-ሕጊ ክመልስን ዝጽውዕን`ዩ ኢሎም ድምጺ ኣሜሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ዶ/ር ሓዲሽ ሓጎስን ኣቶ ነጋሲ ገብረዮናስን ዝተባህሉ ኤርትራውያን “ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውስዋ ዝሓልሙ” ዝበልዎም ኢትዮጵያውያን `ውን ብምኹናን “ኢድኩም ኣክቡልና” ዝብል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም።-

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG