ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ኤርሚያስ ኣስገዶም(ኒብሲ ሃስል)


ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣፍደገ ድኳኑ ዝተቐትለ ፍሉጥ ናይ ራፕ ሙዚቀኛ ኣርቲስት ብኒብሲ ሃስል ዝፍለጥ ኤርሚያስ ኣስገዶም፡ ቀታሊኡ ኣይተታሕዘን፡ ግን ፖሊስ ከምዘለለዮ ይገልጽ ኣሎ። ወዲ 29 ዓመት ኤሪክ ሆልደር ንክትሓዝ ህዝቢ ክተሓባበር ፖሊስ ጸዊዑ`ሎ።

ሎሚ ምስ ኣዛዚ ፖሊስ ብምዃን ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ከንቲባ ሎስ ኣንጀለስ ኤሪክ ጋርሰቲ፡ ኒብሲ ሃስል ንከተማናን ዓለምን ዝተንከፈ`ዩ ኢሉ። "ኒብሲ ሃስል ንህይወት ከተማናን ኪነዉን ዝጸለወን፡ ክእለት ዝተዓደለን በሊሕ ኣርቲስት`ዩ፡ ብደረጃ ዓለም ብቢዝነስ ክዕወት ዝኸኣለ ኣዋፋሪ ሃብቲ`ውን`ዩ፡ ኣብ ከተማና ህይወት ንምድሓን ህይወት ከተማና ንምቕያርን ዝሰርሕ ዝነበረ`ዩ። ደኺሙኒ ከይበለ ንመንእሰያት ዝሕለቕ ዝነበረ`ዩ። እንታይ ኔርካ ካበይ መጺኻ ብዘየገድስ ንመጻኢ ዘለካ ዕድላትን ዓቕምታትን ንኽትርኢ ምእንታን፡ ንመንእሰያት ዘስተምህር ዝነበረ`ዩ"

እቲ ከንቲባ ኣተሓሒዙ፡ ኤርሚያስ ኣስገዶም ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝነበሮ ጽልዋ ዓሚቕ ምንባሩ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ችከምኡ`ውን ብዛዕባ ኣብ መንእሰያት ዘሕደሮ ጽልዋን ዝህቦ ዝነበረ ትምህርቲን፡ ንቀጻሊ ብኸመይ ክትሓዝ ከምዝግባእን ካልእ ምኽርታትን ቃለ-መጠይቕ ሂቦም ኣለዉ፡

ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:18:54 0:00

XS
SM
MD
LG